ኣብ ዓለም 82 ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ኣብዚ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ዓለም ዝኾነሉ እዋን፡ ቁጽሪ ብደረጃ ዓለም ገዝኦም ገዲፎም ዝተሰደዱ ሰባት 82 ሚልዮን ከምዝበጸሐ፡ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣሃዝ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ብዕጽፊ ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ልዕሊ ሓደ ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ተፈናቒሉ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ሃገራት ዝቐርብ ናይ ዕቑባ ሕቶን ሓፈሻዊ ፍልሰትን ኣዐርዩ ክቕንስ ምኽንያት ኮይኑ ተባሂሉ ከምዝነበረ እቲ ውድብ ገሊጹ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 11.2 ሚልዮን ሰባት ገዝኦምን ንብረቶምን ገዲፎም ዝተፈናቐሉ ኮይኖም፡ እዚ ቁጽሪ ካብቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2019 ዝተፈናቐሉ ዝበዝሕ'ዩ፡፡

ጎንጺ፣ ዓመጽን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንስደት ብዙሓት ሰባት ቀንዲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ እዩ ተጠቒሱ፡፡

ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ሃገራት ዘንበረኦም እገዳታት ጉዕዞ ዓለም ለኻዊ ዶባት ከየቋርጹ ከምዝገበሮም ተጠቒሱ፡፡

ብኻልእ ወገን ካብቶም ተፈናቐልቲ 250 ሽሕ ስደተኛታት ጥራሕ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱን ኣብቲ ዝተሰደዱሉ ሃገር ህይወት ክምስርቱ ዝተገበሩ 34 ሽሕ ጥራሕ ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ የመልክት፡፡

ላዕለዋይ ኮምሽነር እቲ ኤጀንሲ ፊሊፖ ግራንዲ "ብቐዳምነት ሰባት ክስደዱ ዘገድዱዎም ጎንጽታትን ጸገማትን ንምፍታሕ፡ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ተወፋይነት የድልየና'' ኢሉ፡፡

ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳታት ምልሕለሖም ስዒቡ፡ ኣብዚ ዓመት ጎንጺታት ክበዝሑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ከምዝሰግእ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሕ ጎንጺ፣ ከቢድ ኩነታት ኣየርን እቲ ለበዳን ዝኸፈአ ሕጽረት መግቢ ከጋጥምን ቅልውላው መግቢ እናገደደ ክኸይድ ከምዝኽእልን ኣጠንቂቑ፡፡

እቲ ኤጀንሲ፡ ደቡብ ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእካለይ ኣፍሪቃን ሶርያን ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልዩወን ኣሎ እውን ኢሉ።

ብካልእ ወገን፡ ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ካብ 119 ሚልዮን ክሳብ 124 ሚልዮን ክበጽሕ ምኽንያት ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይሩ፡፡

ካብ ጠቕላላ ተፈናቐልቲ ፍርቂ ዝኾኑ ማለት ኣስታት 48 ሚልዮን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ'ውን እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ፡፡

ብምኽያት እቲ ለበዳ፡ ዶብ ምቁራጽ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ሃገራት ዝተፈናቐሉ ሰባት ናብ ግዝኣቶም ክኣትዉ ይፈቕዱ ኣለዉ ኢሉ፡፡

ካብ ሃገሮም ወጻኢ ካብ ዝስደዱ ሰባት፡ ክልተ መሰለስ (2/3) ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝመጹ እዮም፡፡

ካብ ዝጅመር 10 ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ፡ 13.6 ሚልዮን ሰባት ኣፈናቒሉ እዩ፡፡ እዚ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝሽፍን እዩ፡፡

ካብቶም ዝተፈናቐሉ ፍርቆም ሃገሮም ገዲፎም ዝተሰደዱ ኮይኖም፡ እቶም ፍርቂ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ እዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ቁጽሪ ኣብ ስደት ዝውለዱ ቆልዑ እውን እናወሰኸ መጺኡ እዩ፡፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህጻናት ካብ ስደተኛታት ከምዝተወለዱ እቲ ትካል ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ጉዳይ ብሓፈሻ ኣስጋኢ እኳ እንተኾነ፡ ኣመሪካ ኣብ 2021፡ 62 ሽሕን 500፡ ኣብ 2022 ድማ 125 ሽሕ ስደተኛታት ክትቅበል ቃል ከምዝኣተወት ተገሊጹ፡፡

ከምኡ ድማ ኮሎምብያ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ንዝኾኑ ቨነዝዌላውያን ብግዝያውነት ክተዕቁብ ምውሳና ተስፋ ዝህቡ ምልክታት እዮም ክብል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፡፡