ቅልውላው ትግራይ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ከምዝርከቡ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ይነብሩ ከምዘለዉ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወልን ውሕስነት ምግቢ ዝቆፃፀርን ጉጅለ ዘዳለዎ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ ዓፀቦ ኢልካ ንምእዋጅ ኣብ መንግስታት ዝምርኮስ እንተኾነ፡ እቲ ነቲ ፀብፃብ ዘዳለወ ደረጃ ሕፅረት ምግቢ ዝምድብ (IPC) ግና፡ ውሕስነት ምግቢ ንምልካዕ፡ ካብ "ዝወሓደ ክሳብ እቲ ዝሓሰመ ደረጃ ዓፀቦ" ንምልካዕ ሓሙሽተ ደረጃታት ረቑሑ።

እዚ ፀብፃብ፡ ብሕፅረት ምግቢ ዝምድብ ጉጅለ (IPC)፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኩናት ዝተኣወጀላ ትግራይ፣ ገለ ከባቢታት ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን ዝተኻየደ እዩ።

ኮሚሽነር ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ምስ ሚንስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የቕርብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

"እዚ ኣሃዝ ዝጠመዩ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2011 ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ዓፀቦ ዝለዓለ ከምዝኾነ" እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ።

"እዚ ቅልውላው ብሰንኪ እቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ፣ ምምዝባል ህዝቢ፣ እገዳታት ምንቅስቓስ፣ ንትካላት ረድኤት ድሩት ፍቓድ ምህላው፣ ምዝማት ዝራእትን ጥሪትን፡ ኢሉ'ውን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕዳጋታት ብዘይምህላዎምን ዝሰዓበ እዩ" ኢሉ።

ካብ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ድማ፡ IPC ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ነዞም ደረጃታት ከምዚ ዝስዕብ ይኸፍሎም፡

  • 3 ነጥቢ1 ሚልየን ኣብ ቅልውላው ኔሮም (IPC ደረጃ ሰለስተ
  • 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ህፁፅ ሓገዝ የድልዮም ኔሩ (IPC ደረጃ ኣርባዕተ)

እቲ ኩነታት ካብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ከምዝጋደድ ድማ ሓቢሩ።

ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን፡ ነዚ ቅልውላው ህፁፅ ፍታሕ ክግበር ፀዊዖም ኣለዉ።

ዳይሬክተር ምግብን ሕርሻን ዓለም ኩ ዶንዡ፡ "ብፍላይ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝርከቡ ማሕበረሰባት፡ በቲ ዘሎ ጎንፂ ኣዝዮም ተሃስዮም እዮም። ዝበዝሕ ሕርሻ ዓንዩ፡ ክፈርዩ ዝኽእሉ ከም ዘርእን ጥሪትን'ውን ጠፊኡ እዩ" ኢሉ።

ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክበፅሕዎም ዘይኽእሉ ቦታታት ብዙሓት ከምዝነበሩ ገሊፁ።

"ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብፃሕ ሓቲትና ኢና፡ እንተኾነ ሕዚ'ውን ብዕጡቓት ጉጅለታት ይኽልከሉ ኣለዉ። ጥሜት ከየጋጥም ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ቀንዲ ኣግልግሎታት ክረክብን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓገዝ ምግቢ ከብፅሐሎምን ግድነታዊ'ዩ።

"ካብ ዋና ዋና ከተማታት ብዝዘለለ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ንምብፃሕ ብዘይ ገለ ምድንጓይ መእተዊ ክፍቀድ ይግባእ" ኢሉ።

ሕፅረት ምግቢ ዝምድብ (IPC) እቲ ዘዳለዎ ፀብፃብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተደገፈ ገሊፁ።

ቢሮ ሕርሻን ልምዓትን ትግራይ፡ 6 ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንከይባፃሕ ፀገማት ፀጥታ ብድሆ ከምዝኾነን፡ ንተሌቬዥን ትግራይ ገሊፁ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ብዓወት ከምዘብቅዐ እኳ እንተገለፀ፡ ሕዚ'ውን ንሸውዓተ ኣዋርሕ ውግእ ይቕፅል ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ።