እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን፡ ኣብ ፈላማይ ዓለም ለኻዊ መገሽኡ፡ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቑ
ጆ ባይደን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኾይኑ ካብ ዝምረጽ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓለም ለኻዊ መገሻ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ 'ጎዳእቲ ተግባራት' ሩስያ ብዝዛመድ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቕዎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብዚ ፈላማይ ፕረዚደንታዊ መገሽኡ፡ ሩስያ ነቶም እትገብሮም ዘላ ‘ጎዳእቲ ተግባራት’ ጠጠው እንተዘየኣቢላ ‘ትርጉም ዘለዎም ሳዕቤናት’ ከምዝኽተልዋ ኣፍሊጡ።
ባይደን፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝተበላሸወ ዓለማዊ ርክባት ኣመሪካ ንምምሕያሽ ከምዝዓለመ ግልጺ ገይሩ እዩ።
ንሱ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ረቡዕ እዩ በጺሑ።
ምስ ፕረዚደንት ቦሪስ ጆንሰን ተራኺቡ ‘ኣትላንቲክ ቻርተር’ ዝተሰምየ ስምምዕ ክፍርሙ ምዃኖም ድማ ይዝረብ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ኣብ 1941 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዊንሰተን ቸርችልን ፍራንክሊን ሮዝቨልትን ዝተፈረመ ኣብ ጉዳይ ከባብያዊ ኣየርን ድሕነትን ዘተኮረ ስምምዕ፡ ንምዝማን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።
ፖሊቲካዊ ኢዲተር ቢቢሲ ለውራ ክዋንስበርግ፡ ኣብ እዋን ትራምፕ ዝተበላሸዉ ርክባትን ጸቕጥታት ኮሮናቫይረስን ስዒቡ፡ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ከምሓድሽ ንምህዳስ ዝዓለመ ክኸውን እዩ ኢሉ።
ጆ ባይደን፡ ኣብዚ ናይ 8 መዓልታት ጻንሒቱ ምስ ንግስቲ ኤሌሳቤጥ ኣብ ዊንድሶር ካስትል ከምዝራኸብ፤ ኣብ ኣኼባ ጉጅለ-7 ከምዝሕወስን ከም ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ድማ ንፈለማ እዋን ናይ ኔቶ [ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ቃልኪዳን] ኣኼባ ከምዝካፈልን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ከተማ ጀኔቫ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።
ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ጻንሒቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ኣብ ዝኾነኑ ጉዳያት ክዘራረቡ እዮም።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ምቁጽጻር ኣጽዋር ውግእ፣ ኩነታት ለውጢ ኣየር፣ ወተሃደራዊ ምትእታታዋት ሩስያ ኣብ ዩክረይን፣ ኣብ ጉዳይ ሰርሰርቲ ሩስያ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ማእሰርቲ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫልኒ ክዝተዩ ትጽቢት ይግበር።
ሰለስተ ምስቲ እሱር ተቓዋሚ ርክባት ኣለዎም ዝተብሃሉ ውድባት ፖለቲካ ‘ሕሉፋት’ ተባሂሎም ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብቤትፍርዲ ሞስኮ ተኣጊዶም ኣለዉ።
ባይደን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብጋሱ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምእታዉ ንወተሃደራት ኣመሪካን ስድረኦምን ኣብ ዘዛረበሉ እዋን እዩ ንፕረዚደንት ሩስያ ግልጺ ዝኾነ መልእኽቱ ከሕልፈሉ ምዃኑ ዝተዛረበ።
“ምስ ሩስያ ጎንጺ ኣይኮናን ነጓሃህር ዘለና፤ ዝተረጋገአን ዝግመትን ርክባት ክምስረት ኢና ንደሊ። ኣብዚ ጉዳይ ግልጺ እየ። እንተኾነ ሩስያ በቲ ሒዛቶ ዘላ እንተቐጺላን ጎዳእቲ ተግባራት ካብ ምግባር ዘይትቑጠብ እንተኾይናን ግና፡ ኣመሪካ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ምላሽ ክትህበሉ እያ ” ክብል ተዛሪቡ።
ርክባት ኣመሪካን ሩስያን ብሰንኪ ገለ ዛዕባታት ተዘሪጉ'ዩ ጸኒሑ።
ፑቲን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መራሕቲ ምዕራባውያን ንሩስያ ሽማሽም እናሃቡ የልዕልዋ ኣለዉ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ‘ቀይሕ መስመር’ ከይሓልፉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ጆ ባደን ከምዝበሎ፡ ኣብ ሕድሕድ ርክባት ወጻኢኡ ኣመሪካ ናብ ንቡር ተመሊሳ ከምዘላን፡ ዲሞክራስያዊ ሃገራት ዓለም ምትሕብባራት ብምግባር ነቶም ዝጎበጡ ነገራት ንምቕናዕ ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ሓቢርካ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ከረጋግጽ ከምዝደሊ ኣብሪሁ።
ካልኦት መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ‘ውን ጽባሕ ዓርቢ ክበጽሑ ትጽቢት ዝግበረሎም ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ቀዳመ ሰንበት ዓቢ ኣኼባ ከምዝሳለጥ ተፈሊጡ።
ጂ7 ካብ ዓለምና ኣዝየን ዝማዕበላ 7 ሃገራት ማለት’ውን ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመኒ፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ እንግሊዝ፣ ኣመሪካ ከምኡ’ውን ሕብረት ኣውሮፓ ኣባል ዝኾንሉ ድልዱል ማሕበር እዩ።
ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ጂ7 እዚ እዋን፡ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ምሕዋይ ይከኣል ዝብልን፡ ንሓዋሩ ካብ ተመሳሳሊ ጉድኣት ንምክልኻል፡ ብቐሊሉ ዘይዳኸም ስርዓተ ጥዕና ብኸመይ ምህናጽ ይካኣል ዝብል ይርከቦ።
ቦሪስ ጆንሰን ታይምስ ኣብ ዝተብሃለ መጽሄት ኣብ ዝወጽአ ጽሕፉ፡ ዓለም ብተመሳሳሊ ኩነታት ዘይትጥቀዐሉ ኩነታት ምፍጣር ኣድላይነት ኣመልኪቱ ክስራሕ ዝግበኦ ነገር ኣንፊቱ ኣሎ።
ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ፡ ኣብ መጻኢ ክልተ ዓመታት 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር ንኣስታት 100 ሃገራት ከከፋፍል ትልሚ ሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዓለማዊ ንግድን ዛዕባ ክሊማን ኣጀንዳ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ። ካልኦት እዋናዊ ጉዳያት’ውን ክዝተዩ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ባይደን ኣብ መንጎ እንግሊዝን ሕብት ኣውሮጳን ዘሎ ዘይምቅድዳው’ውን ንሰላም ሰሜን ኣየርላንድ ክጎድእ ከምዝኽእል ንመራሕቲ ከስምዕ ክፍትን ምዃኑ ይግለጽ።
ካብኡ ቀጺሉ ድማ፡ ባይደን ምስ ቃልኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳን ዝርርብ ክቕጽለሉ እዩ ተባሂሉ።
ርክባት ኣመሪካ ምስ ኔቶ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ተዘሪጉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ተረኺቡ ዝርርብ ዘካየደ ዋና ጸሓፊ ኔቶ፤ ባይደን ምስ መሻርኽቲ ኣመሪካ ተሪሩ ነንምስራሕ ዘለዎ ድልውነት ሓያል እዩ ኢሉ።