እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፕል፡ ሞባይላ ይጽግነላ ናይ ዝነበረት ዓሚሉ ስእልታት ብምዝርግሑ ሚልዮናት ዶላር ካሕሳ ከፊሉ
ዓብዪ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ኣፕል፤ ሰራሕተኝኡ ኣብ ስልኪ ሓንቲ ዓሚል ዝነበረ ፎቶታት ብኦንላይን ብምዝርግሓ ሚልዮናት ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፈላ ተፈሊጡ።
እታ ውልቀሰብ ዝተበላሸዋ ኣይፎን ሞባይል ክተስርሓ’ያ ናብቲ ናይ ኣፕል መደብር ዝኸደት።
ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሞባይላ ካብ ዝነበሩ ስእልታት ገሊኦም ልክዕ ባዕላ ከምዝጠቅዐቶም ብምምሳል ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተዘርጊሖም።
ኣፕል ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈጠረ ስሕተት ብምእማን ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ።
ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ምስጢራውነትን ድሕነትን ዓማዊልና ካብ ልቢ ኢና ንግደሰሉ። ኣብ እዋን ጽገና መረዳእታታት ክዕቀቡ ዝገብሩ ብዙሓት ኣሰራርሓታት እውን ኣለዉና” ኢሉ።
“ኣብ 2016 ኣብ ሓደ ካብ ጨንፈር መደብራትና ከምዚ ዝበለ ይቕረ ዘይብሃል ጥሕሰት ከምዝተፈጸመ ምስፈለጥና ቅልጡፍ ስጉምቲ ኢና ወሲድና። ንኣሰራርሓ መደበራትና’ውን ብቐጻሊ ነትርሮ ኣለና” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ክስተት ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ዘ ቴሌግራፍ ዝተቓልሐ ኮይኑ እታ ውልቀሰብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሬጎን ትምህርታ ትከታተል ነይራ።
ሽዑ ሞባይላ ንኽትዕረየላ ብምሕሳብ ናብ ሓደ ምስ ኩባንያ ኣፕል ተሓባቢሩ ዝሰርሕ ‘ፕጋትሮን ተክኖሎጂ ሰርቪስ’ ዝተብሃለ መደብር መሸጣን ጽገናን ኣይፎን ትልእኻ።
እቲ ጸገም ምስኣጋጠመ ከኣ ኣፕል ምጽራይ ብምግባር ንኽልተ ምስቲ ጉዳይ ዝተሓሓዙ ኪኢላታት ጽገና: ካብ ስራሕ ሰጒጉ።
ኣፕል እቲ ጉዳይ ብምስጢር ክዕቀብ ድልየት’ኳ እንተነበሮ፤ ፔጋትሮን ንኣፕል ኣብ ዝኸፈሎ ካሕሳ ዝነበረ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ’ዩ ኣቃሊዕዎ።
ኣብ 2019 እውን ብተመሳሳሊ ሓደ ሰራሕተኛ መደብር ኣፕል ናይ ሓንቲ ሞባይላ ክጽገን ዝሃበቶም ሰበይቲ ስእልታት ካብ ስልካ ናብ ናይ ባዕሉ ስልኪ ልኢኹ ነይሩ።
ሽዑ ኣፕል ኣብቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ምጽራይ ብምግባር ነቲ ሰራሕተኛ ከምዘባረሮ ይዝከር።
እዞም ኣጋጣምታት ከኣ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ምንቅስቓስ ‘መሰል ንጽገና’ ዘጠናኽር ኮይኑ፤ እቲ ምንቅስቓስ ከም ኣይፎን ዝበሉ ናውቲ ቴክኖሎጂ ኣብ መደብራት እቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ክጽገኑ ከምዘይብሎም ይሓትት።
ኣስታት 20 ግዝኣታት ኣሜሪካ ነቲ መሰል ንጽገና ዝድግፍ ሕጊ ረቂቅ ኣዳሊወን ኣለዋ። እቲ ሕጊ ኣፕልን ካልኦት ዓበይቲ ኩባንያታትን ብሳልሳይ ኣካል ንዝግለጹ ኪኢላታት ጽገና ዘድልይ ናውቲን እታወትን ከቕርቡ የገድድ።