እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሳብ 20 ሽሕ ብር ዝኽፈሎ ዕዳጋ ውቃጦ ኣብ ኢትዮጵያ
ዮሴፍ ተስፋዬ ይበሃል፤ 28 ሽሕ ብር ብምኽፋል ካብ መንኮቡ ክሳብ ክሳድ ኢዱ 'ንሓሳበይ ይገልጹለይ' ዝበሎም ዝተፈላለዩ ስእልታትን ጽሑፋትን ውቃጦ ኣስሪሑ’ሎ።
እቲ ንዕኡ ምንጪ ሓጎሱ ዝኾነ ውቃጦ ካብ ሰባት ክልተ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ንክቐርበሉ ምኽንያት ይኾኖ። ገሊኡ “እንታይ ኮይንካ እዚ ትገብር?” ዝብል ክኸውን ከሎ ብኻልእ ወገን ድማ “ኣጥዒሙልካ” ዝብል’ዩ።
ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ግን እቲ ውቃጥኡ ከይረኣይ ዝለዓለ ጥንቃቐ ከምዝገብር’ዩ ዝዛረብ።
ሳምራዊት ተስፋዬን ኤልኤዘር ሙሴን እውን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም ተወቂጦም’ዮም።
ንምዃኑ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንታይ ዓይነት ውቃጦታት ብስፍሓት ይረኣዩ? ነቶም ውቃጦታት ዝኽፈል ክፍሊትከ ካብ ክንደይ ክሳብ ክንደይ ይኸውን?
ትሕዝቶን ምኽንያትን ውቃጦ
በዓል ሞያ ውቃጦ ሄኖክ ጥላሁን ቅድሚ ሎሚ ቅብኣታት [ስእልታት] ይሰርሕ ምንባሩ ይዛረብ።
ውቃጦ ሓደ ኣካል ጥበብ ምዃኑ ብምእማን ድማ “ሄና ታቱ” ዝብል ስያመ ዝሃቦ ትካል ብምጥያሽ ክሰርሕ ካብ ዝጅምር 8 ዓመታት ተቖጺሮም።
ውቃጦ ዝደልዩ ሰባት ናብኡ ክመጽኡ ከለዉ ካብቶም ኣቐዲሙ ዘዳለዎም ወይ ዝደልይዎ ዓይነት ክመርጹ ከምዝግበር ይዛረብ ሄኖክ። መብዛሕቲኦም ናብኡ ዝመጽኡ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ውቃጦታት’ዮም ዝመርጹ።
ፍቑራት ወይ መጻምዲ እንተኾይኖም ፍቕሮም ንምግላጽ ተመሳሳሊ ነገር ወይ ሓደ ናይ ካልእ ስም ይውቀጥዎ። ናይ ኣዲኦም ወይ ኣቦኦም ምስሊ ዝውቀጡ’ውን ኣለዉ።
ሳምራዊት ብጸጋማይ ኢዳ ካብ መንኮባ ንታሕቲ ዘሎ ምሉእ ክፋል ብውቃጦ ዝተሸፈነ ኮይኑ፤ ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ዝሓዙ ጽሑፋትን ነኣሽቱ ምስልታት ይርከብዎ። ኣብ ክሳዳ’ውን መስቀል ተወቂጣ።
ኤልኤዘር ዝሰፍሐ ክፋል ኣፍልቡ፡ ብውቃጦ ዝተሸፈነ ኮይኑ ናይ ነብርን ኣሞራን ስእልታት ዝሓዘ’ዩ። ዮሴፍ ከኣ ምስሊ ሰዓት፣ ፍዮሪ፣ ኮምፓስን ካልእን ብቐይሕን ጸሊምን ቀለም ተወቂጥዎ’ሎ።
ሳምራዊት ንሃይማኖታ ዘለዋ ፍቕሪ ንምግላጽ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ስምዒት ንምንጽብራቕ ከምዝተወቀጠቶ ትዛረብ። ዮሴፍን ኤልኤዘርን ከኣ ውሽጦም ዝኣመነሉን ዝፈትውዎ ነገራትን ኣብ ሰብነቶም ንኽረኣይ ክውቀጡ መሪጾም። ብፍላይ ኤልኤዘር ንቤተሰቡ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ከምዝተወቀጠ ይገልጽ።
በዓል ሳምራዊት በቶም ዝገለጽዎም ምኽንያታት ናብቲ እንዳውቃጦ ከምዝኸዱ ይግለጹ’ምበር፤ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ በሰላ ወይ ብባህላዊ መገዲ ዝተወቀጥዎም ውቃጦታት ብዘመናዊ መገዲ ንምቕያር ዝመጽኡ ከምዘለዉ ሄኖክ ይዛረብ።
ዕዳጋ ውቃጦ
ኤልኤዘር ነቲ ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ውቃጦ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክውቀጦ ከሎ ክሳብ 20 ሽሕ ብር ወጻኢ ገይሩ’ሎ። ሳምራዊት እውን 15 ሽሕ ብር ከፊላ’ያ ኣስሪሓቶ።
እቲ ዝነኣሰ ዝበሃል ንውሓት ውቃጦ 5 ወይ 6 ሴንቲሜትር ኮይኑ 500 ብር ከምዝኽፈሎ ሄኖክ ይሕብር። እቲ ውቃጦ ብዝዓበየ ቁጽሪ ድማ ዋግኡ ይውስኽ።
ብፍላይ እቶም ኣብ ሕቖ ዝስራሕ ውቃጦ ክሳብ ሰለስተ መዓልትታት ከምዝውድእን ክሳብ 15 ሽሕ ብር ክፍሊት ከምዝሓትትን ይግለጽ። ነዚ ስራሕ ከም ቀንዲ ምንጪ እቶቱ ዝገበረ ሄኖክ “መዓልታዊ ስራሕ ኣሎ” ይብል።
እቶም ንናይ ውቃጦ ስራሕ ዘገልግሎ ናውቲ ምስ ጊዜ ዝቀያየሩን ዝመሓየሹን ምዃኖም ብምግላጽ ነቶም እታወታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምርካብ ግን ከምዘጸግም የረድእ። እታ መርፍእ እውን ካብ ደገ ከምእትኣትው ሄኖክ ይዛረብ።
ውቃጦን ርእይቶ ሰባትን
“ንውቃጦይ ሪኦም ዘማዕትቡ ሰባት ኣለዉ” ይብል ሄኖክ። ኤልኤዘር ብወገኑ “ገለ ሰባት ከም ዕዋላ ይቖጽሩኒ። ናብ ባንኪ ክኸይድ ከለኹ ዝሓዝዎ ቦርሳ ዝሓብኡ ሰባት እውን ኣለዉ” ክብል ንተጓንፎታቱ ይገልጽ።
“ኩሉ ሰብ ሓደ ኣይኮነን። መናእሰይ ይፈትውዎ። ‘ክጽብቕ!’ ዝብሉ ኣለዉ። ኣሉታዊ ዝኾነ ርእይቱ ዝህቡኻ’ውን ኣለዉ። ‘ንምንታይ ከምኡ ጌርኪ?’፤ ‘ብሃይማኖት ኣይፍቀድን’ ይብሉኒ” ትብል ሳምራዊት።
ካብ ቤተሰባ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ከምዘየጋጠማ እትዛረብ ሳምራዊት ነቲ 15 ሽሕ ብር ቤተሰባ ከምዝኸፈሉላ’ያ ትሕብር። ብኣንጻሩ ናይ ዮሴፍን ኤልኤዘርን ቤተሰብ ነቲ ውቃጦ ብኣወንታ ኣይተቐበልዎን።
በዓል ሞያ እቲ ዓውዲ ዝኾነ ሄኖክ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ተጓንፎታት ከምዘሎ ይዛረብ። “ፍቕረኛታት ወይ ሰብ ሓዳር ፍቕሮም ንምጽናዕ ብምሕሳብ ናባና ብምምጻእ ይውቀጡ፤ ድሕሪ ጊዜ ተመሊሶም ብምምጻእ ከኣ ‘ነዚ ነገር ኣይደልዮን፤ ከይሓሰብኩሉ እየ ገይረዮ ስለዚ ከጥፍኦ ደልየ’ ዝብሉና ኣለዉ” ይብል።
ኣብ ገጾም ክውቀጡ ካብ ዝመጽኡ ሰባት ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ “ድሕሪ ጊዜ ከይትናስሑ” ዝብል ማዕዳ ብምሃብ ከምዝመልስዎም እውን ይገልጽ።
“ገለ እዋናት ከኣ ቃንዛ ኣይከኣልክዎን ኢሎም ነቲ ዝተጀመረ ውቃጦ ከይመልእዎ ዝኸዱ ሰባት ኣለዉ” ይብል።
ጥዕና ውቃጦን. . . ክጠፍእኸ ይኽእል’ዶ?
ስፔሻሊስት ሕክምና ቆርበትን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዶክተር ድጋፌ ጸጋዬ “እቶም ብዘመናዊ ኮነ ባህላዊ መገዲ ዝካየዱ ውቃጦ በላሕቲ ነገራት ተጠቒምካ ቀለም ናብ ቆርበት ሰባት ክኣትው ምግባር’ዩ” ብምባል እዚ ብመንጽር ጥዕና ክረኣይ ከሎ ጉድኣት ከምዘለዎ ይሕብር።
ሰባት ብድሕሪ ኣብ ሰብነቶም ውቓጦ ምግባሮም እቲ ናይ ሽዑ ሓሳቦም ክቕየር ከምዝኽእል፤ ብፋላይ 40 ዓመት ዕድመ ካብ ዝመልኦ ጀሚሩ ዝጠዓሱሉ ኩነታት ከምዝፍጠር እቲ ዶክተር ይገልጽ።
“ብተወሳኺ ከኣ ውቃጦ ዘለዎ ሰብ ደም ክልግስ ኣይፍቀደሉን፤ ምኽንያቱ እቶም ንውቃጦ ዘገልግሉ በላሕቲ ናውቲ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ክቃልዑ ስለዝኽእሉ” ክብል የረድእ።
ውቃጦ ኣብ ቆርበት ሰባት ቁጠዐ ክፈጥር ከምዝኽእል ብምግላጽ ከኣ “ኣለርጂ ሰብነት ምስ ጊዜ ዝመጽእ’ዩ። ብድሕሪ ምውቃጥ ኣብ ዘለዉ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ቁጠዐ ቆርበት፣ ምስሓይ ወይ ምሕባጥ ከጋጥም ይኽእል” ኢሉ።
“ውቃጦ ዘለዎ ሰብ ‘ኤምኣርኣይ’ ዝበሃል ዓይነት ምርመራ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ከም ዓይነት ውቃጡኡን ቀለሙን ኣብቲ ዝተወቀጠሉ ቦታ ምቅጻልን ምቁሳልን ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ” ክብል ወሲኺ የረድእ።
ውቃጦ ብሕክምና ዝጠፍኣሉ ዕድል ከምዘሎ ዝዛረብ ዶክተር ድጋፌ፡ እዚ ድማ ብጨረር ከምዝኾነ ይሕብር። እቲ ቀርበት ግን ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ኣይከኣልን-ይብል።