እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ብቕተለት ሰልፈኛታት ዝተጠርጠሩ ሸውዓተ ኣባላት ሰራዊት ክሲ ትምስርት
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ ሰባት ምስ ዝተቐትልሉ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ሸውዓተ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምዃኖምን ገሊጻ።
መራሒ ግዚያዊ ልኡላዊ ቤትምኽሪ እታ ሃገር ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ኣልቡርነን ናይቲ ብሰሉስ ኣብ ከባቢ ዋና ቤትጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ዝተፈጸመ ቅትለት ክጻረ ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕላፉ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ኣብ ቅትለት እቶም ክልተ ሰልፈኛታት ዝተዋስኡ ወተሃደራት ምጽራይ ከም እተፈጸመ ተገሊጹ።
እቶም ሸውዓተ ወተሃደራት ክሲ ክምስረቶም እዩ።
እንተኾነ ግና ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተፈጸመ ግፍዒ ገና ፍትሒ ከም ዘይረኸቡ ብምግላጽ የማርሩ።
ኣብቲ ድሕሪ ምዕላው ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዝካየድ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ እቶም ስልጣን ናብ ሲቪላውያን ክሰጋገር ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ፡ ብውሕዱ 128 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
እቶም ነቲ ቶኽሲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣባላት ናይቲ ኣብዚ እዋን ምክትል ፕረዚደንት ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ዝኾነ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ተፈራሒ 'ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ' እዮም።