ትዊተር: ተጠቀምቱ ንካልኦት ርእይቶታት ቅድሚ ምጽሓፎም ደጊሞም ክሓስብሉ ኣዘኻኺሩ

ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ተጠቀምቲ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ኣካውንት “ጉዳኢ ዝኾነን መጥቃዕታውን” ርእይቶ ቕድሚ ምሃቦም ነቲ ሓሳቦም ክፍትሹን ክኽልስዎን መዘኻኸሪ ምልኣኽ ክጅምር’ዩ።

ትዊትር ብሰንኪ ገለ ኣጥቃዓይ ባህርያት ዘለዎም ተጠቀምቲ ተደጋጋሚ ነቐፌታታት ክበጽሖ ጸኒሑ’ሎ።

እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝሓበሮ ንፈተነ ዝለኣኾም መዘኻኸሪ መልእክትታት ነቶም ዝጸሓፉ ዘይእሩማት ወይ ኣጥቃዕቲ ርእይቶታት ክንክዩ ኪኢሎም’ዮም።

ነቶም መዘኻኸሪ መልእኽትታት ድማ ብኣፕልን ኣንድሮይድን ኣቢሎም ትዊተር ናብ ዝጥቀሙ ናይ እንግሊዝኛ ኣካውንትታት ክዝርግሕ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ገይሩ።

ንፈተነ ዝተልኣኸ መዘኻኸሪ መልእኽትታት፡ 34 ሚኢታዊት ሰባት ክልእኽዎ ንዝሓሰቡ መልእኽቲ/ርእይቶ ክግምግሙን ሓሲቦም ንኽውስኑን ከምዝደፋፍኦም ትዊተር ሓቢሩ።

ኣብ ትዊተር መሓዛኸ ምስ ዝኾነ ተጠቃሚ ምጽርራፍ ግን ዝተረፈ ኣይመስልን።

ትዊተር ከምዝበሎ እቲ መዘኻኸሪ ነቲ ኣብ ሞንጎ ትዊት ዝገበረ ኣካውንትን መልሲ ዝጽሕፍ ተጠቃምን ንዝህሉ ብህርያት ርክብ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

“ክልተ ኣካውንታት ነንባዓሎም ዝሰዓዓቡን ብቐጻሊ ዝጸሓሓፉን እንተኾይኖም ኣብ ሞንጎኦም ክህሉ ኣብ ዝግባእ ዓይነት ርክብ ብዝምልከት ዝሓሸ ምርድዳእ ክህልወሉ ዝኽእል ዕድል ዝለዓለ እዩ” ክብል ትዊተር ኣብሪሁ።

ንባህርያት ተጠቀምቲ ዒላማ ዝገበሩ ማሕበራዊ መራኸብታት

ዝተፈላለዩ መድረኻት ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ርክባት ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ንመጥቃዕታዊ ትሕዝቶታት፣ ዓመጽን ምግፋዕን ብከመይ ክቆጻጸርዎም ከምዝኽእሉ ዘጨነቖም ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

ትዊተር ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ብ 1̈.9 ሚልዮን ኣካውንታት ንዝተጠቅዑ መጥቃዕታዊ ትሕዝቶታት ክኣልይ ከሎ፤ ሕግታተይ ጥሒሶም ንዝበሎም 925,700 ኣካውንታት ከኣ ዓጽዩ።

ጉዳይ ምርመራ ትሕቶታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ንዝውሰዱ ስጉምትታት ኣመልኪቶም ዝለዓሉ ሓሳባት ኣካታዕቲ ኮይኖም ይርከቡ። ጉዳይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ብቐዳምነት ይጥቀስ።

ትራምፕ ነቲ ብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተወለዐ ጎንጺ ስዒቡ ካብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብታትን ከምዝተኣገደ ይዝከር።

ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ብኦንላይን ኣብ ዝፍጸሙ ዓመጽን ዝርግሐ ስኑዕ ሓበሬታን ክትትል ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩ።

ትራምፕ ካብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተኣገደሉ መገዲ ከም ስጉምቲ ፖለቲካዊ ምምያ ከምዝኾነ ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።