ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ 5ይ ፓትርያርክ ኪሸይም 'ዓቢይ ውጥን' ከምዘለዎ ገሊጹ

ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ 5ይ ሓድሽ ፓትርያርክ ንምሻም ውጥን ከምዘለዎ፡ ዓቃቤ መንበር እታ ቤተክርስያን ኣቡን ጴጥሮስ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ብኣጋጣሚ ብዓል ትንሳኤ ዘመሓላለፍዎ "መልእኽተ-ቡራኬ"፡ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ናይታ ቤተክርስትያን "5ይ ፓትርያርክ" ክመርጽ ምዃኑ ጠቒሶም።

ብሰንኪ ምድስካልን ውግዘትን 3ይ ፓትርያርክ ዝነበሩ ኣቡን ኣንጦንዮስ፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ምክፍፋል ተፈጢሩ ይርከብ።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን በዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ።

"በዚ ኣጋጣሚ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንና እተመሓላልፎ መልኽቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘለዎ ልዑላዌ ሥልጣን ሕግን መምርሕን ቤተክርስቲያን ብምኽታል 5ይ ፓትርያሪክ ቀቢኡ ኪሸይም ምድላዋት ይገብር" ኣሎ ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

"ኲልኹም ገዳማውያን ውሉደክህነትን፡ ምእመናንን መንእሰያትን እዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓቢይ ውጥን እግዚአብሔር ኣብ ፍጻሜ ከብጽሓልና ብጸሎት ክትድግፉ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣባታዊ መልእኽቱ የመሓላልፍ" ክብሉ'ውን ኣቡን ጴጥሮስ ተዛሪቦም።

ኣብ ሓምለ 2019፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

እቶም ወዲ 96 ዓመት ኣቡን ኣንጦንዮስ፡ "ኣብ ሕብረት መናፍቓን" ኣትዮም ብዝብል'ዩ ካብታ ቤተክርስትያን ከምዝወጹ ተገይሩ።

ነቶም ጳጳስ ዞባ ማእከል ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣቡነ ጴጥሮስ ከኣ፡ ክሳብ ሓድሽ ፓትርያርክ "ዓቃቤ መንበር" ፓትሪያርክ ገይሩ መሪጽዎም።

ቅድሚ'ቲ ውሳነ ምሕላፉ፡ ኣቡን ኣንጦንዮስ ካብ 2007 ጀሚሮመ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምንባሮም ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ።

እቶም ካብ መዝነቶምን ዝተኣለዩ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ "ሓሶት" ክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቪድዮ መግለጺ ነጺጎሞ ነይሮም'ዮም።

ኣበቲ መሊቑ ዝወጸ መልእኽቲ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሽዱሽተ ነጥብታት ዘለዎ ክሲ ከም ዝቐረበሎም ብምግላጽ፡ "ካብ ፓትርያርክ ወሪድካ ተራ ፈላሲ ኮንካ ክትነብር" ዝብል ጠለብ ከም ዝነበሮ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም፡ ቅድሚ ውግዘት "ወይ ፈላሲ ወይ ካህን ወይ ምእመን ወይ ሊቅ፡ ከምዚ ጌርካ [በዲልካ] ዝብለኒ ኣይረኸብኩን፤ ሓሶት ከም ምዃኑ ተገሊጹለይ" ኢሎም ነይሮም።

ደገፍቶምን ተጣበቕቲን ከምዝብልዎ፡ እቶም ፓትርያርክ፡ ንማእሰርቲ መራሕቲ መንእሰያት "ትምህርቲ ሰንበትን" ዝነበሩ ኣቐሽሽቲ ብምቅዋሞም'ዮም ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ተደልዮም።

ገለ ካብቶም ንልዕሊ 15 ዓመታት ብመንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣገልገልቲ፡ ሓካይም ዶ/ር ፍጹም ገብረንሰስን ዶ/ር ተኽልኣብ መንግስትኣብን፡ ከምኡ'ውን ቀሺ ገብረመድህን ገብረግዮርጊስን ይርከብዎም።

መንግስቲ ኤርትራ ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብኣቡን መርቀርዮስ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ "እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ብእምነት ቤተክርስትያን፡ ብስርዓት ቤተክርስትያን፡ ብሕጊ ቤተክርስትያን፡ ንክልተ ሽሕ ዓመት ዝጸንሐ ቆኖናዊ መመሓዳደሪ ቤተክርስትያን፡ ሕጋዊ ዘይኮነ" ውሳነ'ዩ ክብል ተቓዊምዎ።

ኣፈኛ ናይቲ ሃገረስብከት፡ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ግብረመልሲ፡ "ኣብ ርእሲ ሓደ ቅዱስ ሰብ ገበን ምፍጻም ስለዝኾነ . . . ኣትሪርና ንኽኑኖን ንውግዞን ንቃወሞን" ክብሉ ተዛሪቦም።

ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኮይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣቡን ኣንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ከሰስቶም "ኣብ ከቢድ ዝኾነ ሓለዋ፡ ኣብ ዕጹው ገዛ" ይነብሩ ከምዘለዉ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ሓቢሮም።