ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት 'ህወሓትን ሸኔን' ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክኣትው ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣሕሊፉ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ 'ህወሓትን ሸኔን' ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክኣትው ናይ ውሳነ ሓሳብ ምሕላፉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፡ "ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝመፅአ ለውጢ መኣዝኑ ንምስሓት፡ ኣብ ዝተፋለለዩ ክፍልታት እታ ሃገር ኣብ ሰላማውያን ዜጋታት መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ፀኒሖም" ብምባል ከሲሱ።

"በዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ጠፊኡ፣ ኣካሎም ጎዲሉ፣ ንብረቶም ዓንዩ፣ ካብ መረበቶም ተመዘቢሎም።

እቶም መጥቃዕትታት ሕብረተሰብ ብዘላቕነት ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ክነብር ብምግባር፡ ኣብ መንግስቲ እምነት ክስእንን ዜጋታት ነንሕድሕዶም ከይተኣማመኑን ጌይሩ" ኢሉ።"እዚኦም ኩሉ ህልውና ሃገረ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ንምጥሓል ተሓሲቦም ይፍፀሙ ከምዝነበሩ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ንምርዳእ ተኻኢሉ እዩ" ይብል እቲ መግለፂ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን፡: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።

ዋላ'ኳ መንግስቲ ነቲ ብ4 ሕዳር ዝተወለዐ ግጭት ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ከምዘሎ'ዩ ይንገር።

ብሰንኪ'ቲ ግጭት ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓያል ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ከምዘሎን'ዩ ዝግለጽ። ማሕበረሰብ ዓለም'ውን እቲ ተጻብኦታት ጠጠው ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ክግበር ይጠልቡ ኣለው።

ዕጡቓት ሓልታት ሸኔ'ውን ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ መጥቓዕቲ ፈጺሞም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸሶም ጸኒሑ'ዩ።

ባይቶ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝፍፀሙ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ወላ'ኳ እንተተፈፀሙ፡ "ብትልሚ፣ ብገንዘብ፣ ብሓሳብን ብስልጠና ሰብሓይልን ብምድጋፍ፣ ሽፋን ሚድያን ሓገዝን ኣብ ምሃብ ናይ መሪሕነት ደረጃ ዝሕዙ ውድባት ኣለዉ" ኢሉ።

"ኢትዮጵያ ናይ ምምስቓል፣ ናይ ምድኻምን ምፍራስን ድሌት ዘለዎም እዮም" ዝበሎም "ሓይልታት ወፃኢ" ነዞም ውዳበ ይጥቀምሎም ኣለዉ ይብል መግለፂ እቲ ቤት ፅሕፈት።"እቶም ክፍፅምዎን ከፈፀምዎን ዝፀንሑ ተግባራት ጥፍኣት ገበናት ራዕዲ እዮም።

እዞም ተግባራት ገበናት ግብረ ሽበራ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ 1176/2012 ኣብ ዓንቀፅ 3 ተፀሪሖም ምስ ዝርከቡ ተግባራት ገበን ራዕዲ ዝተውሃቦ ትርጓመ ዘማልኡ ተግባራት ከምዝኾኑ ብቀሊሉ ምግንዛብ ይከኣል" ኢሉ።

ነዚ ግብረ ሽበራ ዝፈፀሙ ውድባት፣ ኣባላትን ደገፍቶምን፡ ብውልቀሰብ ደረጃ ብተናፀል ብገበን ግብረ ራዕዲ ተሓተትቲ ንክኾኑ ካብ ምግባር ብዝዘለለ " ነቶም ውድባት፡ ናይ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ጌርካ ብምስያም፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ሕጊ ዝተቐመጠ ተግባር ግብረ ራዕዲ ብዝሐሸ ኩነታት ንምቁፅፃርን ንምክትታልን ይከኣል" ይብል እቲ መግለፂ።

ተግባራት ገበናት ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ 1176/2012 ዓንቀፅ 18 ን 19 ብምፅራሕ፡ "ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ሸኔን ተግባራት ራዕዲ ዕላምኦም ጌሮም ዝንቀሳቀሱ ብምዃኖምን፡ ኣመራርሓ ስራሕ እቶም ውድባት ወይ ድማ ውሳነ ወሃብቲ ኣካላት ነቲ ገበን ኣሚኖም ዝተቐበሉ ወይ ድማ ንክፍፀም ይምርሑ ብምህላዎም፣ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምፍፃም'ውን ሓፈሻዊ መግለፂ እዞም ውድባት ብምዃኑ፡ እዞም ውድብት ግብረ ራዕዳውያን ተባሂሎም ክስየሙ ናይ ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ተግባራት ገበናት ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ 1176/2012 ዓንቀፅ 23 መሰረት "ኣብ ተመሳሳሊ ተግባር ኣብ ዝተዋፈሩን ብመሰረት እዚ ውሳነ ሓሳብ ግብረ ራዕዳውያን ተባሂሎም ምስ ዝተሰየሙ ውድባት ምትሕብባር፣ ምትእስሳር ወይ ናይ ሓሳብን ተግባርን ዝምድና ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ውድባትን ውልቀሰባትን እዚ ውሳነ ተፈፃሚ ከምዝኾን" ገሊፁ።