እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቡርኩናፋሶ ኣብ ሓንቲ ቁሸት፡ ልዕሊ 30 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም
ጥርጡራት ጂሃዳውያን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ቡርኪናፋሶ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝቐተሉ ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ትማሊ ሰኑይ፡ ኮማንዣሪ ኣብ ዝተብሃለት ዞባ'ታ ሃገር ፡ ኮዲል ኣብ እትበሃል ቁሸት ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሓደ ካብ ኣማሓዳርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።
እቲ ተገሚቱ ዘሎ ብዝሒ ሞት ልክዕ ኾይኑ እንተተረኺቡ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ንፈለማ እዋን እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እታ ሃገር ብፍላይ ምስ ኒጀርን ማልን ኣብ ዘዋስንዋ ከባብታት፡ ብሕሉፋት እስላማዋያን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጸማ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ጨፍጫፍ፡ ክልተ ስፔናውያን ጋዜጠኛታትን ሓደ ኣየርላንዳዊ ዜጋን ኣብቲ ከባቢ ምስተቐትሉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት'ውን ከምዝቖሰሉ ይግለጽ።
ሓደ ኣብቲ ከባቢ ንዓርሰ-ምክልኻል ካብ ዝሰርሑ፡ "እቲ መጥቃዕቲ ሰባት ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ ንጎሆ እዩ ተፈጺሙ" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
"ደርዘን ዝኾኑ ሰባት ናብታ ቁሸት ኣትዮም ነቲ ገዛውቲ ሓዊ ሮኵዖምሉ። ገሊኦም ድማ ደው ኢሎም ይሪኡ ነይሮም፤ ካልኦት ድማ ዘዝረኸብዎ ብኣልማማ ይቐትሉ ነይሮም" ኢሉ።
ካልእ ኣባል ሚሊሻ እቲ ከባቢ ድማ፡ ብሓፈሻ 30 ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ፡ እንተኾነ፡ ነበርቲ ካብ ገዛቶም ወጺኦም ሃዲሞም ስለዘለዉ፡ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቶም ዕጡቓት ብተጋገሚ ነታ ቁሸት ዒላማ ዝገበሩ ኮይኖም ብፍላይ ድማ፡ ንኣባላት ማሕበረሰብ ጉርማ ዝባሀሉ ፈልዮም እዮም ዘጥቅዑ ተባሂሉ።
ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት ኣባላት ናይዚ ዓሌት ኣባላት ሚሊሻ ኮይኖም ተመልሚሎም ስለዘለዉ እዩ።
ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣኽረርቲ እስላማውያን ዕጡቓት፡ እዛ ምዕራባዊት ሃገር፡ ከምተን ካልኦት ጎራብታ ሃገራት፡ ዓሚቕ ናይ ጸጥታ ጸገማት የጓንፋ ኣሎ።
ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ወራርን ጭውያን ከካይዱ እዩ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ 2012ን 2013ን ዝዓበየ ሰሜናዊ ክፋል ማሊ ምስተቖጻጸሩ፡ ኣብዚ ሓውሲ-በረኻ ዝኸነ ዞባ ሳህል፡ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት ኣስዒቦም ጸኒሖም እዮም።
ፈረንሳይን ካልኦት ፈተውቲ ሃገራት ን ናብቲ ከባቢ ወተሃደራት እንተዋፈሩ'ኳ፡ ነቲ ጸገም ጸጥታ ክፈትሕዎ ኣይከኣሉን።
እቲ ጎንጺ ዛጊድ ኣስታት 3 ህዝቢ ክመዛበል ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።