ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ንዘለዋ ዝወሃብ ፍቓድ ዕረፍቲ ዝኸልከለ ሓላፊ መገዲ ኣየር ነበር ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኮርያ ብመሰረት ሕጊ ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ንዘለዋ ኣባላት ክወሃብ ዝግብኦ ፍቓድ ዕረፍቲ ዝኸልከለ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ነበር ቅጽዓት ገንዘብ ተበይንዎ።
ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኤዥያና ዝነበረ ኪም ሱ-ቺዮን በቲ ተግባር 2 ሚልዮን ዎን [ገንዘብ እታ ሃገር] ማለት ኣስታት 1,800 ዶላር ቅጽዓት’ዩ ተፈሪድዎ ዘሎ።
ንሱ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ 15 ኣሳሰይቲ በረራ [‘ሆስትስ’] ንዝመጽኣሉ 138 ሕቶታት ዕረፍቲ ከምዝነጸገ’ዩ ዝግለጽ።
ኪም ግን እተን ሰራሕተኛታት ዕረፍቲ ክሓታ ከለዋ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ምህላወን ዘረጋግጽ ዋላ ሓደ ነገር መረዳእታ የቕርባሉ ከምዘይነበራ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይቃወሞ።
ደቂኣንስትዮ ደቡብ ኮርያ ካብ 1953 ጀሚሩ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት እንተደኣኮይነን ኣብ ወርሒ ሓንቲ መዓልቲ ዕረፍቲ ክሓታ ይፍቀደለን’ዩ።
ፍቓድ ዕረፍቲ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት:
· ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽጊያ ከቢድ ስቓይ ንዘለወን ደቂኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ንሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ዝወሃበን ፍቓድ ዕረፍቲ’ዩ።
· ጃፓን፣ ኢንዶነዢያን ታይዋንን ዝርከብአን ሃገራት ብሕጊ ኣጽዲቐንኦ ይርከብ
· እንተኾነ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ነቲ ፍቓድ ዕረፍቲ ክሓታ ኣይረኣያን
· ወርሓዊ ጽግያት ሓደ ካብ ሞንጎ ስነ-ሂወታዊ መስርሕ ከምዝኾነ ዝገልጹ ደገፍቲ ናይዚ ዕረፍቲ: ልክዕ ከም ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ንደቂኣንስትዮ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ
· ነዚ ሓሳብ ዝነቕፉ ኣካላት ብወገኖም እዚ ፍቓድ ዕረፍቲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ንኽህሉ ዝገብር፤ ኣስራሕቲ’ውን ደቂኣንስትዮ ክቖጽሩ ዘየተባብዕ'ዩ ይብሉ
ሰራሕተኛታት ዕረፍቲ ኣብ ዝሓታሉ እዋን “ብዙሓት ዘጠራጥሩ ነገራት ከምዝረክብ” ብምግላጽ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝሞጎተ ኪም ክዕወት ኣይከኣለን።
ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ምህላወን ዘረጋግጽ መረዳእታ ከቕርባ ምሕታት “ንውልቃውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጻባእ” ከምዝኾነ ኣረዲኡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







