ራዉል ካስትሮ ካብ ናይ ኵባ ዴሳዊ ሰልፊ ኣቦ መንበርነት ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምንኣስ ሓው ፕረዚደንት ኵባ ነበር ፊደል ካስትሮ ዝኾነ ራዉል ካስትሮ ኣብ ናይ ኵባ ኮሙኒስት ፓርቲ ዝነበሮ ናይ ኣቦ መንበርነት ስልጣን ብገዛእ ፍቓዱ የረክብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ወዲ 89 ዓመት ራዉል ካስትሮ ኣብ ጉባኤ እቲ ባይቶ ተረኺቡ ሓላፍነቱ "ሓቦኛን ጸረ ሃጸያውነትን" ንዝበሎ መንእሰይ ወለዶ የረክብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ነቲ ብድልየቱ ዝገድፎ ዘሎ ሓላፍነት ዝትክእ ሰብ: ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ኵባ ምስተወድአ ድሕሪ 4 መዓልቲ ክምረጽ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ስጉምቲ ካብ 1959 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ዝጀመረ ስሩዕ መሪሕነት ፊደል ካስትሮን ራውል ካስትሮን ከብቅዕ ዝገብር'ዩ። ራዉል ካስትሮ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሃቫና ዝቃናዕ ዘሎ ጉባኤ ንዝተረኸቡ ወኪላት ኵባ ኮሚኒስት ፓርቲ "ኣነ ብናይ ደቂ ሃገረይ ዓቕምን ኣርኣያውነትን እተኣማመን'የ" ኢልዎም።
ራዉል ካስትሮ መን ከምዝትከኦ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ መሪሕነት እቲ ውድብ ካብ 2018 ጀሚሩ ንኵባ የመሓድር ንዘሎ ፕረዚደንት ሚጕል ዲያዝ ካናል ክሰግር ከምዝኽእል ብሰፊሑ ይውረ'ሎ።
ራዉል ካስትሮ መን'ዩ?
ፊደል ካስትሮ ኣብ 1959 ነቲ ንኵባ ዘመሓድር ዝነበረ ስርዓት ንምውጋድ ዝተገበረ ወያነ/ሰውራ ኵባ ዝመርሐ ኮይኑ ምንኣስ ሓዉ ራዉል ካስትሮ ድማ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ ኣገልጊሉ። ካብ 1959 ጀሚሩ መራሒ ኵባ ዝነበረ ፕረዚደንት ፊደል ካስትሮ ኣብ 2006 ስለዝሓመመ ስልጣኑ ናብ ራዉል ካስትሮ ኣሰጋጊሩ ኣብ 2016 ድማ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ራዉል ካስትሮ ካብ 2011 ጀሚሩ ዋና ጸሓፊ ኵባ ኮሚኒስት ፓርቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ግዜ መሪሕነት ባራክ ኦባማ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዝነበራ ዝሻሕኸረ ዝምድና ኣብ ምልምላም ጽቡቕ ስራሕ ከምዝወገነ ይዝረበሉ።
ራዉል ካስትሮ ኣብቲ ኣብ ሃቫና ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ እቲ ውድብ "ስሩዕ ተቓላሳይ" ተባሂሉ ጥሮታ ከምዝወጽእ ተገሊጹ። ምንኣስ ሓው ፕረዚደንት ኵባ ነበር ፊደል ካስትሮ ዝኾነ ራዉል ካስትሮ ኣብ ናይ ኵባ ኮሙኒስት ፓርቲ ዝነበሮ ናይ ኣቦ መንበርነት ስልጣን ብኢደ ወነኑ ይወርድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ንኣስታት 60 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ስድራ እንዳ ፊደል ካስትሮ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስልጣን ኵባ ከብቅዕ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







