ባይቶ ኩባ ንሚገል ዲያዝ-ካነል ንራኡል ካስትሮ ተኪኡ ከመርሕ ረቚሕዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃገራዊ ባይቶ ኩባ፡ ንሚገል ዲያዝ-ካነል ነቲ ወዲ 86 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ራኡል ካስትሮ ዝትክእ እንኮ ሕጹይ ጌሩ ረቚሕዎ።
እቲ ወሳነ፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ መሪሕነት እንዳ ካስትሮ ከም ዘብቅዕ ዝገብር'ዩ።
ራኡል ካስትሮ፡ ኣብ 2006 እዩ ካብቲ ብምኽንያት ሕማም ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፊደል ካስትሮ ስልጣን ተረኪቡ።
እቲ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ፓርላማ ኩባ ኣብቲ ጉዳይ ድምጹ ክህብ እኳ እንተኾነ፡ ንሚገል ዲያዝ-ካነል ከም ዝመርጽ ግን ዳርጋ ርጉጽ ኮይኑ'ሎ።
እንተኾነ ግን፡ ወላኳ ራኡል ካስትሮ ካብ ስልጣኑ ይውረድ፡ ኣብ ዴሳዊት ኩባ ዓቢ ተሰማዕነት ክህልዎ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ንሱ ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ ዝግበር ናይቲ ፓርላማ መጋባእያ ብወግዒ ስልጣኑ ንሚገል ዲያዝ ከረክብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ዝቕጽል መራሒ፡ ቁጠባኣ ዝደስከለን ናይ ለውጢ ትዕግስቱ ዝተጸንቀቐ መንእሰይ ወለዶ ዘለዋ ሃገር ክርከብ'ዩ ይብል፡ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ኩባ ዊል ግራንት።
ብተወሳኺ፡ ብዘይ ሰውራዊ ድሕረባይታ ምምራሕ'ውን ርእሱ ዝኻኣለ ብድሆ (ጸገም) ክኸውን'ዩ።
ዲያዝ-ካነል መን'ዩ
ኣብ 2013 ከም ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይነበሮ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን የማናይ ኢድ ናይ ራኡል ካስትሮ እንናኾነ'ዩ መጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብተ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንትነት ንክቕበል ዘኽእሎ ተመክሮ ከጥሪ'ዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ወዲ 57 ኮይኑ ዘሎ ዲያዝ ወላውን ቅድሚ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን ምምዛዙ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ፓለቲካ ተመክሮ ነይርዎ'ዩ።
ፊደል ካስትሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ልዕሊ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምግልጋሉ ኣብ ሚያዝያ 1960 ተወሊዱ።
ኤሌክትሪካል ኤንጂኔሪንግ ዝተማህረን ወዲ 20 ዓመት ምስኮነ ኣባል ዴሳዊ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ሳንታ ክላራ ከም ዝነበረን ይፍለጥ።
ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ኢንጂኔሪንግ እንዳመሃረ እንከሎ ኣብቲ ማሕበር መንእሰያት ቀስ ብቐስ ናብ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ቦታ በጺሑ።
ራኡል ካስትሮ ድማ ነቲ ዘለዎ "ስነሓሳባዊ ሓይሊ" ኣድኒቕዎ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







