እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጎንጺ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ሶማልን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ብዙሓት ተቐቲሎም
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ኣብ ዝዋሰኑሎም ከባቢታት ብዝተላዕለ ግጭት ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሓለፈ ኣመሓደርቲ እተን ክልላት ኣፍሊጦም።
ኣብ ክልል ዓፋር ብቐዳም 25 መጋቢት 2013 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 ናይ ቀትሪ (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ኣብ ዞባ 3 ወረዳ ሁሩካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 50 ከም ዝቖሰሉን ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ኣሕመድ ካሎይታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሎሚ መዓልቲ'ውን ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሩ ኣብ ዞባ ሰለስተ ሁሩካ፣ ገልዓሉን ገዋኔን ኣብ ዝብሃሉ ሰለስተ ወረዳታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን ገሊጹ።
ክልል ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 24 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ደኣዋዲን ቀረፋን ዝተባህላ ጣብያታት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ "ልዕሊ 25 ሓረስቶት ክቕተሉ እንከለው፡ ልዕሊ 30 ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎምን ንብረት ዓንዩን'ዩ" ኢሉ።
ሎሚ ሰሉስ 28 መጋቢት 2013 ዓ.ም'ውን ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ኣብ ኣርባዕተ ጣብያታት እቲ ክልል፤ ማለት'ውን ደዋዲዲ፣ ገውረአን፣ ቀላሌን ደንለሄን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ቑጽሮም ዘይተፈልጡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓቢሩ።
ክልቲኦም ክልላት፡ ፈጻሚ እቲ መጥቃዕቲ ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ሓደ'ዩ ብምባል ንሓድሕዶም ይካሰሱ።
ብተወሳኺ፡ ክልል ሶማል ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር 'ኡጉጉማ' ምስ ዝብሃል "ክንፊ ሽበራ" ብምውዳድ መጥቃዕቲ ኣብጺሑ'ዩ ክብል ይኸስስ።
ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ክልል ዓፋር ኣብ ከባቢታት እንደፎ፣ ኣዳይቱን ገዳማይቱን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ንግዲ ኮንትሮባንድ) ንምንካይ ብዝተወስደ ስጉምቲ ዕጡቓት ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ቕትለት ፈጺሞም'ዮም ብምባል ይኸስስ።
ኣቶ ኣሕመድ ወሲኹ ብቐዳም ኣብቲ ግጭት ተሳቲፎም ዝተትሓዙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ከም ዘለው ተዛሪቡ።
ብተደጋጋሚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ክልላት ዕርቂ ክፍጠር ጻዕሪ ከም ዝተገብረን ከም ዘይሰመረን ዝዛረብ ኣቶ ኣሕመድ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ግጭት ኣብ ዝተፈጥረሉ ከባቢ ፖሊስ ፌደራል ኮነ ሰራዊት ምክልኻል ከም ዘይሰፈረ ገሊጹ።
ክልቲኦም ክልላት፡ ብምኽንያት ምምሕዳር ወሰን ብተደጋጋሚ ናብ ግጭት ክኣትው ይርኣይ።
ብ15 መጋቢት 2013 ዓ.ም፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ብኣወዳድባ ዝተወሰኑ ናቑጣታት መረጻ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ቅርታ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
"ቦርድ መረጻ ብዝኾነ መዐቀኒ ምኽንያት ምዝራግ ሰላም ከይኸውን ብምሕሳብ" ብዝብል ክኸፍቶም ዝሓሰቦም 30 ናቑጣታት መረጻ ኣብቲ ከባቢ ከይጣየሱ ወሲኑ'ዩ።
ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ክልቲኦም ክልላት ዝርከቡ ጣብያታት፡ ምምሕዳር እተን ክልላት ሕቶ ይግብኣኒ ከልዕሉ እንከለው፡ በዚ ምኽንያት ናብ ወጥሪ ምእታው ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ተቖጺሮም ኣለው።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተላዕሉ ግጭታት ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሓለፈን ንብረት ከም ዝዓነውን ይግለጽ።