እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢንዶኔዥያን ቲሞርን ብዘጋጠመ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም
ትማሊ ሰንበት ኣብ ኢንዶኖዥያን ምብራቓዊ ቲሞርን ብዘጋጠመ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ብውሑዱ 101 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ ኣብ ጎረባብቲ ደቡብ ኤሽያ’ውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መንበሪ ኣባይትን ብማይ ክወሓጡ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ምብራቓዊ ኢንዶኔዥያ፡ ካብ ደሴት ፍሎርስ ክሳብ ምብራቓዊ ቲሞር ዝርከቡ ቦታታት በዚ ሓደጋ ተሃስየን ኣለዋ።
ኣብ ኢንዶኔዥያ ጥራሕ ዛጊድ 80 ሰባት ሞይቶም፤ ደሃይ ብዙሓት ድማ ጠፊኡ'ሎ። ሰብመዚ እታ ሃገር ቁፅሪ ምውታት ክዛይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።
ወሃቢ ቃል ኤጀንሲ ምፍኳስ (ምእላይ) ሓደጋታት ኢንዶኔዥያ፡ “እቲ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣየር፣ ጭቓን ፍርስራስ ህንፃታትን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ዕንቅፋት ኮይንዎም” ኣሎ ክብል ንተለቬዥን ሜትሮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
መዘንኡ ኣልፎንስ ሃዳ ብወገኑ፡ ብዙሓት ሰባት ተቐቢሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ብዝሒ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት ንምፍላጥ ግና ንፁር ከምዘይኮነ ገሊፁ።
ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ናብ ሕድሕድ ዞባታት ከምዘግዐዝዎም፡ ዝበዝሑ ግና ኣብ ገዝኦም ከምዘለዉን መድሓኒት፣ ምግብን ኮበርታን ከምዘድልዮም ሓቢሩ።
ኣብ ምብራቓዊ ቲሞር ድማ፡ ብውሑዱ 21 ሰባት በዚ ሓደጋ ከምዝሞቱ ማዕኸናት ዜና ንሰብመዚ እታ ደሴት ብምጥቓስ ፀብፀበን።
መብዛሕትኦም ግዳያት፡ ካብ ርእሰከተማ ዲሊ ከምዝኾኑ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።
ፕረዝደንት ኢንዶኔዥያ ጆኮ ዊዶዶ፡ ንግዳያት ሓዘኑ ብምግላፅ፡ ኣብዚ እዋን ከቢድ ኩነታት ኣየር ብምህላው ብሰብመዚ ዝወሃብ ማዕዳ ክኽተል ፀዊዑ።
ኣብ እዋን ዝናብ፡ ኣብ ኢንዶኔዥያ ከባቢ ኣኩፓሌጎ ምህማም መሬትን ዕልቕልቕን ልሙድ እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ጃቫ ኣብ ከተማ ሳምዳንግ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ 40 ሰባት ምሟቶም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ድማ ኣብ ቦርኖ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ብውሑዱ 11 ሰባት ሞይቶም’ዮም።
ኤጀንሲ ሃንደበታዊ ሓደጋ እታ ሃገር፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት፡ 125 ሚልዮን ህዝቢ ንምህማም መሬት ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ከምዝነብሩ ይገልፅ።