ሞዛምቢክ፡ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ ከተማ ፓልማ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐተሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ፡፡
ሸውዓተ ካብቶም ዝተቐትሉ፡ ካብ ሓደ ሆተል ከምልጡ ክብሉ በቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትሉን ወጻእተኛታት ዝርከቡዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ግን ከምዘድሐኑ'ውን እቲ ወሃቢ ጠቒሱ።
እስላማውያን ሚልሻታት፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሮም ነታ ከተማ የጥቅዕዋ ምህላዎም ተገሊጹ።
ተሓቢኦም ናይ ድሕነት ጃልባታት ዝጽበዩ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ክሳዶም ዝተቖረጹ ሰባት ወዲቖም ከምዝረኣዩ ገሊጾም፡፡
መርበብ ሓበሬታ ማያዊ ምንቅስቓሳት ዝከታተል ከምዝሓበሮ፡ ከባቢታት ከተማ ፓልማን ወደብ ፔምባን፡ ብዝተፈላያ ዓይነታት ጃልባታት ህይወቶም ንምድሓን ብዝፍትኑ ሰባት ተጨናኒቑ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ብዛዕባ እቲ ህይወት ምድሓን ዛጊድ እንታይ ተፈሊጡ?
ሓደ ካብቲ ተኸቢቡ ዝነበረ ሆቴል ተዓጂቡ ዝወጸ ኮንትራክተር፡ ብዓርቢ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ከምዝሓደሩን፡ ቀዳም ብጀልባ ከምዝተወሰዱን ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ብድሕሪኦም እውን ብዙሓት ሰባት ከምዝደሓኑ እዩ ተዛሪቡ፡፡
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን ሰራሕተኛታትን'ውን ኣብ ምድሓን እቶም ሰባት ተሳቲፎም እዮም፡፡
መሪል ኖክስ ዝባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ድማ፡ ሓደ ወዳ ካብቲ ሆቴል ክሃድም ከምዝተቐተለን፡ በዓል ቤታን ካልእ ወዳን ግን ከምዝደሓኑን ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ እቲ ኣቦ እቶም ህይወት ዘድሕኑ ሰባት ክሳብ ዝበጽሑሎም ሬሳ ወዱ ተሰኪሙ ከምዝነበረ ንኤኤፍፒ ገሊጻ፡፡
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝሕልዉ ወታሃራት እንተዝነብሩ፡ ወደይ ኣይምሞተን ክትብል እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣደ ተዛሪባ፡፡
ኣብዚ እዋን ኩነታት ከተማ ፓልማ እንታይ ይመስል?
ቁጽሪ ኣብታ ኣስታት 75 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ፓልማ ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ብልክዕ ኣይተፈለጠን፤ እንተኾነ ብዙሓት ሰባት ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይተፈለጠን ዘሎ፡፡
ነባሪ እታ ከተማ ሊዮኔል ዳይክ፡ ኣብታ ከተማን ወሰናስን ባሕርን፡ ርእሶም ዝተቖረጸን ዘይተቖረጸን ሬሳታት ተደርብዮም ከምዘለዉ ንፖሊስ ሞዛምቢክ ገሊጹሎም፡፡
ኣብዚ እዋን ከተማ ፓልማ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት ከምዝወደቐት ዝተገለጸ ኮይኑ፡ መራኸቢታት ስለዝተቛረጸ ግን ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን፡፡
እቶም ሚልሻታት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ድኳናት፣ ባንኪታትን ወተሃራዊ ማእከላትን ዝዓለመ እዩ ነይሩ፡፡
ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ብዕጡቓት ክጥቃዕ ጸኒሑ፡፡
ብሰንኪ እቶም ምስ ኢስላክ እስቴት ርክብ ከምዘለዎም ዝግለጽ ሚልሻታት ዘልዓልዎ ጎንጺ፡ ልዕሊ 2500 ሰባት ክሞቱ እንከለው ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቐሉ እዩ ዝግለጽ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







