እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ቅልውላው የመን ንምፍታሕ ሓድሽ እማመ ሰላም ኣቕሪባ
ስዑዲ ዓረብ ነቲ ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ዘቑጸረ ቅልውላው የመን ንምፍታሕ ሓድሽ እማመ ሰላም ኣቕሪባ።
እቲ እማም ሰላም፡ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝድገፉ መንግስቲ የመንን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቐዓት ሑቲን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ 'ቶኵሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ' ዝብል እዩ።
እቲ እማመ ሰላም፡ ወሳኒ ናይ ኣየርን ባሕርን መስመራት ክፉት ምግባርን ፖለቲካዊ ዝርርብ ምጅማርን ዝብል ድማ ይርከቦ።
ዕጡቓት ሑቲ ግና፡ እቲ እማመ ናይ ባሕርን ኣየርን መስመራት ንክኽፈቱ እዚ ዝበሃል ትርጉም ዘለዎ ሓድሽ ሓሳብ የብሉን ኢሎምዎ።
እቲ ናይ ሰላም ሓሳብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ [ርያድ] ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር መስፍን ፈይሳል ቢን ፋርሃን እዩ ቐሪቡ።
ንሱ፡ መራሕረቲ ሑቲ ነቲ እማመ ሰላም ክቕበልዎ ጻውዒት ገይሩ ነይሩ።
ሑቲ ፡ነቲ እማመ ሰላም ኣብ ዝተቕበልሉ ሽዑ ንሽዑ፡ ተኹሲ ጠጠው ክብል ምዃኑ እዩ ኣፍሊጡ።
መን እንታይ ይጠልብ?
እቲ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ዝተቐበሎ ኸይኑ፡ መራሕቲ ሑቲ ግና ነጺጎምዎ ኣለዉ።
ንሳቶም፡ እቲ እማመ ሰላም ተባሂሉ ዝቐረበ ሓድሽ ነገር ከምዘይብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓን [ርእሰ ከተገማ የመን] ኣብ ምዕራብ ሁዳይዳህን ዝርከብ ወደብ ባሕርን ዝተነብረ ናይ በረራ እገዳ ሙሉእ ንሙሉእ ክለዓል እዮም ዝጠልቡ።
ዋና ተደራዳሪ ሑቲ፡ ሞሓመድ ዓብደልሰላም፡ "ስዑዲ ዓረብያ ጠቕሊላ ነቶም ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርትን ወደባት ባሕርን ዝተነብሩ እገዳታት ክለዓሉ ክትቅበል፤ ከምኡ'ውን በቲ ጥምረት ሓይልታት ዝተጨውያ 14 መራኽብ ክልቀቓ ኢና ንጽበ" ኢሉ ከምዝተዛረበ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እቲ ጉጅለ ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ኣመሪካ ኮነ ምስ ዖማናዊ ኣደራዳሪ ምዝርራብ ክቅጽሉ ምዃኖም ወሲኹ ሓቢሩ።
ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ እቲ እማመ ሰላም ብዝምልከት ምስቶም ኣብ ምፍጣር እቲ ቅልውላው ኢድ ዝነበሮም ኣካላት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ኣመሪካን ካልኦትን ምዝርራብ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይገልጹ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ኣመሪካ ዝቐረበ ኣብ ሙሉእ ሃገር ቶኵሲ ጠጠው ናይ ምባል ጻውዒት ምንጻጎም ዝዝከር እዩ።
እቶም ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓትን መሰረተ ልምዓትን ስዑዲ መጥቃዒቲታት ኣጽዒቖም ከምዘለዉ እዩ ዝዝረብ።
ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ድማ ናይ ኣየር ድብደባ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስዑዲ ዝቐረበ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ናይ ሰላም ጻውዒታትብዘይ ፍረ ምትራፎም ዝዝከር እዩ።
እቲ ናይ ሕዚ ናይ ሰላም ጻውዒት ተቐባልነት እንተረኺቡ ግን፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝእለ እዩ ክኸውን።
ትንታነ ካብ ቢቢሲ
ላይስ ዶቼት ዝተብሃለት ተንታኒት ቢቢሲ ከምዝበለቶ፡ እቲ ናይ ሰላም መስርሓት ኣብ ተግባር ይፍተን ከምዘሎ እዩ ዘርኢ።
ብፍላይ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ መልእኽተኛ ምስዳደን ከምኡ ድማ፡ ዛጊድ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ ብጉዳይ ጋዜጠኛ ጀማል ካሹጊ ጠቕሊሉ ዘይተብላሸወ ስዑዲ፡ ናይ ኣመሪካ ሓሳብ ምቕባላ እዩ ዘርኢ ኢላ።
ካብዚ ንደሓር፡ ናይ ሰላም ጻውዒት ዘይምቕባል ዘንቅፎም ንሓይልታት ሑቲ ከምዝኾነ ድማ ገሊጻ።
ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርትን ወደባት ባሕርን ተነቢሩ ዝነበረ ናይ በረራን ምንቅስቓስን እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅላውላው ከቢድ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ሑቲ፡ መሰል ሕቶ ከቕርቡ እዮም ጸኒሖም።
ሓይልታት ሑቲ፡ ከም በዓል ማሪብ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ወሰንቲ ዝኾኑ ከባብታት ዝተቖጻጸረ ኸይኖም፡ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ናይ ሰላም ጠረጴዛ ክመጸኡ ዘተባብዕ እዩ ትብል፤ ቀሊል ከምዘይኮነ ግን ኣዘኻኺራ።
ንሓይልታት ሀዑቲ እትድግፍ ኢራን ንርእሳ ናታ ናይ ሰላም ሓሳብ ክተቕርብ ትጽቢት ከምዝግበር እዩ ዝግመት።
ድሕረ-ባይታ ቅልውላው የመን
ኣብ 2011 እቲ ኣብ ቱንዝያ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ቀልጢፉ'ዩ ናብ ከም በዓል ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሶርያን የመንን ዝበላ ሃገራት ዓረብ ተላቢዑ።
እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ምስ ሓየለን ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ ምስ ኮነን እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ።
ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ 2011 ስልጣኑ ንዓብደሮቦ ሃዲ ከረክብ ተገዲዱ'ዩ
ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ደዪቡ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ።
ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሸቕለት-ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢታት ቀጺሉ።
ኣብ መጀመርታ 2015 ከኣ እቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ተባሂሎም ዝሕመዩ ዕጡቓት ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮማ። መንግስቲ ፕረዚደንት ሓዲ ድማ ናብ ደበብ የመን ብምንስሓብ፡ ኣብ ከተማ ዓደን ኣትዩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ድማ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመቓቒሉ፡ ከም ሃገራዊ ሰራዊት ፈሪሱ። እቲ ብፕረዚደንት ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ ከኣ ውሱን ሓይሊ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ።
ብጽልዋ ኢራን ኣብ ጉዳይ የመን ዝሰግአት ሱዕዲ ዓረብ ድማ፡ ኣንጻር ሑቲ ቀጥታዊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ክትወስድ ወሲና።
ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ዝሓቖፈ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብምምስራትን ነቲ ናብ ዓደን ዝተዓቑበ መንግስቲ ብምድጋፍን ካብ መጋቢት 2015 ጀሚራ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ናይ ኣየርን፡ ምድርን ባሕርን መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ።
ኣብ ኲናት የመን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎም፡ ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ዓጸቦን ጥሜትን ክኾኑ ተገዲዶም'ዮም።
ቅልውላው የመን ክፍታሕ እንተኾይኑ፡ ስዑዲን ኢማራትን ንህዝቢ የመን ካብ ምክፍፋል ኣድሒነን፡ ምስቲ ጉጅለ ሑቲ ክላዘባ ክኽእላ ኣለወን ዝበለ፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ "እቲ ጸገም ሕጽረት ኣጠማምታ'ዩ" ኢሉዎ።