ሓያል መራሕቲ ዓለም፡ ሶማልያ መዓልቲ መረጻ ብዘየማትእ ክትቆርጽ ኣጠንቂቖም

ኣመሪካ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ብዙሓት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ መራሕቲ ፖለቲካ ሶማልያ ኣብ ጉዳይ መረጻ ኣብ ሓደ ዘየማትእ መዕልቦ ክበጽሑ ሓቲቶም።

እቶም መራሕቲ ሓያል ሃገራት፡ ኣብቲ ብሓባር ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንዝኾነ ይኹን ስልጣን ዝነወሐሉ ጎናዊ ኮነ ተመዓዳዳዋይ መረጻ ኣፍልጦ ከምዘይህቡ ኣፍሊጦም ኣላዉ።

እቶም መራሕቲ፡ መራሕቲ ሶማልያ፡ ናጻ፣ ፍትሓዊ፣ ኣሳታፍን ተኣማንን መረጻ ንክካየድ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ጻውዒት፡ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ኣመሓደርቲ ሓውሲ-ናጻ ዞባታትን ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃድሾ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርርብ ክገብሩ ኣብ ዘሸባሸቡሉ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ።

እቶም ንሶማልያ ቀንዲ ገንዘባዊ ድጋፍ ከምዝገብሩ ዝእመነሎም ሓይልታት፡ በቲ ኣብ 17 መስከረም 2020 ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐሉ መስርሕ መረጻ ክካየድ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

ኣብቲ እዋን ስምምዕ ዝተበጽሐሉ መስርሕ መረጻ፡ መራሕቲ ቀቢላታት ተወከልቶም ይመርጹ፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ፌዴራል ተወከልቲ ህዝቢ ይመርጹ። እቶም ባይቶ ከኣ ንፕረዚደንት ይመርጹ።

ናይ መጀመርታ ናይ መረጻ እብረ ስልጣን ፕረዚደንት ፈርማጆ ኣብ ዝሓለፈ 8 ለካቲት ዘብቀዐ ኾይኑ፡ ተካኢኡ ከይተመርጸ ነታ ሃገር ናብ ቅልውላው ኣእቲይዋ ይርከብ።

ሶማልያ፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።

ዛጊት፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር መዓስ ከምዝካየድ'ውን ዝጠፈልጠ ነገር የለን።