ኣብ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ሕጹይ ተወዳዳራይ ፕረዚደንት ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኮንጎ-ብራዛቪል ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዝነበረ፡ ጋይ ብሪጀስ ፓረፋይት ኮልላስ፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ እዋን እቲ መረጻ ህይወቱ ሓሊፋ።
ሓላፊ ጎስጓስ እቲ ፕረዚደንት ንኤኤፍፒ ከምዝበሎ፡ ሚስተር ኮሌላስ፡ ኣብ ውሽጢ ንዕኡ ካብ ብራዛቪል ናብ ፈረንሳይ ክትወስድ ዝመጽአት ናይ ሕክምና ነፋሪት እንከሎ እዩ ሞይቱ።
እቲ ወዲ 61 ዓመት ተነሓናሒ፡ ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መደብ ጎስጓስ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እዩ፡ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ብምርመራ ተረጋጊጹ።
እቲ ፖለቲከኛ፡ ቅድም ክብል ብሕማም ሽኮርያ [ዲያቤትስ] ክሳቐ ዝጸንሓ ኾይኑ፡ ካብቶም ሽድሽተ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ሳሱ እንጋሶ ዝነሓንሑ ዘለዉ ተቓወምቲ ሓደ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ሰላምውን ዝተረጋገኣን ይኹን'ምበር፡ ብዙሕ ሰብ ወጺኡ ከምዘይኣድመጸ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ሓደ መዓልቲ ቅድሚ እቲ መረጻ ሚስተር ኮለላስ፡ ናይ ኦክሲጅንን ማስኬራ ገይሩ ብዝደኸመ ድምጺ ንደገፍቱ ከተባብዕን፤ ወጺኦም ክመርጹ ክዛረብ ብተንቀሳቐሲ ምስሊ ተቐሪጹ ተራእዩ ነይሩ።
"ደገፍተይን ፈተውተይን፡ ኣነ ኣብ ሕማቕ እየ ዘለኹ። ሕማም ይቃለስ ኣለኹ። እንተኾነ ወጺኹም ክትመርጹ ጻውዒተይ የቕርብ" ኢሉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዘድመጸ ፕረዚደንት ሳሱ እንጋሶ፡ ንተነሓናሒኡ፡ ጥዕንኡ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ንቡር ክምለስ ተመንይሉ።

ንሱ፡ ወዲ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር እታ ሃገር ኮይኑ፡ ቅድም ክብል'ውን ሚኒስተር ፍርያት ዓሳን ሲቪል ሰርቪስን ነይሩ።
ሕጊ መረጻ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ሓደ ካብቶም ተወዳደርቲ እንተሞይቱ፡ ወዕጽኢት እቲ መረጻ ክስረዝ ኣይእዝዝን።
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ብሓድሽ ዝስፋፋሕ ዘሎ ኮቪድ-19፡ ብዙሓት ክቐትል ጀሚሩ ኣሎ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ህይወቱ ዝሓለፈ ፕረዚደንት ታንዛንያ፡ ብሕማም ልቢ ሞይቱ እንተተብሃለ'ኳ፡ ህይወቱ ብኮሮናቫይረስ ከይሓለፈ ከምዘይተርፍ እዮም ብዙሓት ዝዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







