ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከለ ቆልዓ ወሊዳ ብዝለዓለ ውጽኢት ዝተመረቐት ፎዚያ ጀማል

ፎዚያ ጀማል

ምንጪ ስእሊ, FOZIA JEMAL

መግለጺ ስእሊ, 'ደቂ ኣንስትዮ ዕውታት ክንከውን እንተኾይንና ቆራጻት ክንከውን ይግባእ'

ፎዚያ ጀማል ኣብ 2010 (2018) ናብ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶም ተመዲባ ክትከይድ ከላ ገና ሓዳሽ መርዓት'ያ ነይራ።

ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ: ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ‘ኢኮኖሚክስ’ (ስነ-ቁጠባ) ክትምሃር ኣብ ዝተመደበትሉ እዋን ከኣ ነፍሰጾር ምዃና ክትፈልጥ ኪኢላ። በዚ ምኽንያት ግን ትምህርታ ክተቋርጽ ኣይደለየትን።

ነፍሰጾር ኮይና ከምቲ ንቡር ዘድልያ ነገራት ኩሉ ዘቕርበላን ዝከናኸናን ኣባል ቤተሰብ’ኳ እንተዘይረኸበት: ማዕረ ካልኦት ተምሃሮ’ያ ትምህርታ ተኸታቲላ።

ፎዚያ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቲ ተኸታቲላ ኣብ ዝወደአትሉ እዋን: ኣብ ኩሎም ዓይነታት ትምህርቲ ውጽኢታ ዝለዓለ ደረጃ (‘A’) ዘምጸአት ኮይና፤ ሽዑ ምኽንያት ድርብ ሓጎሳ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ጓል ተቦኲራ ክትሓቁፍ ምብቅዓ'ዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ’ውን ብሓደ ኢዳ ጓላ ሓቚፋ በቲ ካልእ ኢዳ መጽሓፍ ዘርጊሓ እናንበበት ትምህርታ ብትግሃት ምክትታል ቀጸለት። ጻዕራ ድማ ብዘይፍረ ኣይተረፈን።

ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ትምህርታ ወዲኣ ኣብ ዝተመረቐትሉ ዓመት: ካብ ሞንጎ’ቶም ዝወሰደቶም 38 ኮርሳት [ዓይነታት ትምህርቲ] ነቶም 31 ብዝለዓለ ('A+')] ነቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ድማ 'A' ብምምጻእ ዛዚማቶም።

ፎዚያ ጀማል ኣብ 2012 (2020) ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶ ክትምረቕ’ኳ እንተነበራ እቲ ስነስርዓት ምረቓ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ ብምጽንሑ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 (2021) እያ ብዝለዓለ መዓረግ ክትምረቕ ዝበቐዐት።

ሽዑ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሳ እትርከቦም ብሓፈሻ 929 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

“ዘይከኣል ነገር የለን!”

ኣብ ክልል ኦሮሚያ: ምዕራብ ሃረርጌ: ወረዳ ቦኬ: ተወሊዳ ዝዓበየት ፎዚያ ተምሃሪት 11 ክፍሊ እናሃለወት ሓዳር ከምዝገበረት ንቢቢሲ ተዛሪባ’ላ።

ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመታት ጻንሒት ዩኒቨርሲቲ እቲ ሓደ ዓመት ነፍሰጾር ኮይና፤ ኣብ ካልኣይ ዓመት ቆልዓ ሓቚፋ እናዕበየት ክትመሃር ከላ ዝተፈላለዩ ፈተናታት’ኳ እንተጓነፍዋ ዕላምኣን ትኹረታን ኣብ ሓደ ጉዳይ ጥራሕ ብምግባር ናብ ዓወት ከምዝበቕዐት ትገልጽ።

ፎዚያ ጀማል

ምንጪ ስእሊ, FOZIA JEMAL

“ስርሐይ ኢልካ ንነብስኻ ኣእሚንካ እንተጀሚርካዮ ዘይከኣል ነገር የለን። ኣነ’ውን ዋላ ነፍሰጾርር ኮይነ ኣብ ውጽኢተይ ዝኾነ ጽዕንቶ ከሕድር የብሉን ብምባል የጽንዕ ነይረ። ነፍሰጾር ኮይንካ ትምህርቲ ምክትታል ብድሕሪኡ ድማ ቆልዓ ሒዝካ ፈታኒ’ኳ እንተኾነ: ዝሓሰብክዎ ኣሳኺዐ ኣለኹ” ትብል።

ኣብዚ ዕውት ናይ ትምህርቲ ጉዕዞኣ ድማ በዓል ገዝኣ ካብ ጎና ከምዘይተፈለያ ትገልጽ።

“ኣብዚ ዕውት ጉዕዞይ እጃም በዓል ቤተይ ዓብዪ እዩ ነይሩ” እትብል ፎዚያ “ሓቂ ንምዝራብ ንሱ ፍልይ ዝበለ እዩ። ንትምህርተይ ፍሉይ ቆላሕታ ይህብ ነይሩ። ንሱ ይመሃር ከምዘሎ ገይሩ እዩ ዝቖጽሮ። ልዕለይ ይጭነቕ። ምስጢር ዓወተይ እዩ” ብምባል ከኣ ተረድእ።

ፎዚያ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶ ኣብ ዝጸንሐትሉ እዋን ንዘመዝገበቶ ዝለዓለ ነጥቢ ክልተ ጽዋዕን (ዋንጫ) ሓደ ወርቂ ሜዳሊያን ተሸሊማ’ያ።

ነታ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኮይና ዝወለደታ ጓላ ሞኔት ዝብል ስም ሂቦማ። ተዓዊትና ዝብል ትርጉም ከኣ ኣለዎ።

“ደቂ ኣንስትዮ ዕውታት ክንከውን እንተኾይንና ቆራጻት ክንከውን ይግባእ። ኣይክእልን ዝብል ነገር ንውሽጥና እንተ ኣእሚንናዮ ብሓቂ’ውን ዘይንኽእሎ ነገር ኣይክህሉን'ዩ። ሰሪሔ ናብዚ ደረጃ ክበጽሕ ኣለኒ እንተይላ ዋላ ሓደ ዝዓግታ ነገር የለን” ዝብል ማዕዳ ንደቂኣንስትዮ ትልግስ።

ፎዚያ: ኣብዚ እዋን ኣብቲ ብብዙሕ ጻዕርን ትብዓትን ዝለዓለ ውጽኢት ዘምጸኣትሉ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ (ስነ-ቁጠባ) መምህር ኮይና እናሰርሐት ትርከብ።