ግድብ ህዳሰ: ዛጊት 79 ሚኢታዊት ህንጸት ከምዝተሳለጠ ሚኒስተር ማይን ጸዓትን ገሊጹ

ሱዳንን ግብጽን ምምላእ ማይ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ስምምዕ ክግበር ኣለዎ ብሃልቲ እየን

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ዝተትሓዘ መደብ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ከምዘይናዋሕን ናብኡ ዘብጽሕ መስርሕ ኮነ ምኽንያት ከምዘየለ ገሊጹ።

እቲ ሚንስትሪ ነዚ ዝበለ ን10ይ ዓመት ምጅማር ህንጸት እቲ ግድብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ምኽክር’ዩ። እቲ መድረኽ ሓፈሻዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰ፣ ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ድርድር ዝበጽሓሉ ደረጃ ንምግላጽን ርእይቶታት ንምእካብ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ሓፈሻዊ ህንጸት ግድብ ህዳሰ 79 ሚኢታዊት ከምዝበጽሐ ወግዓዊ ገይሩ።

ሱዳንን ግብጽን ብወገን ላዕለዎት መራሕተን ኣቢለን ኣብ ዘካየድኦ ርክባት፤ ኢትዮጵያ ነቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ቅድሚ ምፍጻማ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ስምምዕ ክግበር ኣለዎ ምባለን ይዝከር።

ብፍላይ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይን ቀጸልቲ ስራሕትን ኣብ ዝህሉ ድርድር ተወሰኽቲ ኣደራደርቲ ኣካላት ንኽህልዉ ዝሓትት ደብዳበ ምጽሓፋ ወኪል ዜና እታ ሃገር ሱና ጸብጺቡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወጻእን ድሕነት ፖሊሲን ሕብረት ኣፍሪቃን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካን ደብዳበ ከምዝጸሓፈ ጸብጻብ ሱና የመልክት።

“ኢትዮጵያ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ ከለዋ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ወርሒ ሰነ ከተካይድ ምውሳና ኣሻቒሉና’ሎ” ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር።

ወሃቢ ቓል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ “ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዘካይድኦ ስሉሳዊ ድርድር ዝውዳእ ብሰለስቲኤን ሃገራት እምበር ብኣደራደርቲ ኣይኮነን” ክብል ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ኢትዮጵያ ንድርድር ወትሩ ድልውቲ እያ። እቲ ምምላእ ግን ክቕጽል’ዩ። እቲ ድርድር ቅድሚ እቲ መስርሕ ምምላእ እንተተኻየደ’ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚስተር ሓምዶክ ግን ራብዓይ ኣደራዳሪ ምእታዉ “ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ድጋፍ ክትረክብ ዘኽእል’ዩ። ኣብቲ ምድርዳር እውን ምትእምማን ክህሉ ይገብር” ክብል ይምጉት።

ብልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝህነጽ ዘሎ ዝዝረበሉ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክዛዘም ዓመት ተሪፍዎ’ሎ። ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ማያዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ድማ ኣለዎ።

ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኮይኑ: ካልኣይ ዙር ከኣ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከምዝሳለጥ መንግስቲ እታ ሃገር ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብውሱን ኩነታት ሓይሊ ምምንጫው ክጅምር ትጽቢት ይግበር።