እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ ሾሞንተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም
ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኣትላንታ፡ ሽዱሽተ ኤስያውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ሾሞንተ ሰባት፡ ብጥይት ተቐቲሎም።
እቲ ቅትለት፡ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣብያተ መሕጸቢን መዛነዪን (ስፓ) ብዝተኸፈተ ተኹሲ እዩ ኣጋጢሙ።
ሰብ መዚ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ቦታታት ተኹሲ ብምኽፋት ዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።
ነቲ ሎሚ ሰሉስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዘበገሶ ገና ኣይተፈለጠን።
እንተኾነ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣንጻር ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ካብ ጽልኢ ዝብገስ ገበናት ወሲኹ እዩ።
እዚ ጽልኣታት ክዓርግ ምኽንያት ዝኾነ ድማ፡ ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተሓተቲ ኤስያውያን እዮም ዝብል ጉጉይ ርድኢት እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ዝወርድ ዘሎ ጽልኣታዊ መጥቃዕትታት ኣውጊዙ።
ኣብ'ቲ ሎሚ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ካብተን ሽድሽተ ኤስያውያን ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይትን ካልእ ጻዕዳ ሰብኣይን’ውን ተቐቲሎም እዮም።