ሚያንማር፡ ናብ ህንዲ ዝሃደሙ ፖሊስ ሃገራ ክትመልሰላ ንህንዲ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሚያንማር ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግጣሙ ሃዲሞም ናብ ህንዲ ዝኣተዉ ኣባላት ፖሊስ፡ ህንዲ ኣሕሊፋ ክትህባ እታ ሃገር ሓቲታ።
ሚያንማር ትእዛዝ ናይ’ቲ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝወጸ ሰራዊት ንዘይምፍጻም ኢሎም ናብ ህንዲ ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ኣባላት ፖሊስ ከምዘለዉን ዑቕባ ከምዝሓተቱን ኣፍልጦ ከምዘለዋ ገሊጻ።
እቶም ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ህንዲ ምእታዎም ሰብ መዚ ህንዲ ተዛሪቦም እዮም።
ሰበስልጣን ማያንማር ናብ ህንዲ ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ ጽቡቕ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ክቕጽል ህንዲ ነቶም ኣባላት ፖሊስ ኣሕሊፋ ክትህብ ጸዊዖም።
ፖሊስ ህንዲ፡ ካብ ፖሊስ ሚያንማር እዚ ደብዳበ ከምዝበጽሖም ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ኣብ’ቲ ካብ ሚያንማር ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ህንዲ ዝኣተዉ ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ምህላዎም ተጠቒሱ’ሎ።
“ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነታዊ ርክብ ንምቕጻል፡ ህንዲ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ሾሞንተ ኣባላት ፖሰስ ሚያንማር ኣብ ቀይዲ ብምእታው ንሚያንማር ክተረክብ ብትሕትና ንሓትት” እዩ ዝብል እቲ ደብዳበ።
ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ህንዲ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ትጽቢት ለሎ።
ሚያንማር፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዕልዋ መንግስቲ ምስተገብረ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናዕብን ይረኣየላ ዘሎ ሃገር እያ።
ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ከቢድ ስጉምትታት ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ብውሕዱ 55 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብዙሓት ድማ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም እዮም።
ሓይልተት ጸጥታ ሰባት እናኣሰሩን ናብ ህንጻተት እናተኮሱን ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብተት ተዘርጊሖም እዮም።
ሰራዊት ሚያንማር፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት፡ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ንዝተመረጸት መራሒት ኣን ሳን ሱቺ ብምእሳር ዕልዋ መንግስቲ ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣባላት ባይቶ፣ ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን 29 ጋዜጠኛታትን ሓዊሱ ልዕሊ 1700 ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባቸሌት ትገልጽ።
እቲ ብዝሒ ግን ልዕሊ እዚ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







