ኣብ ምያንማር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም

ኣብ ምያንማር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተኻደላ ምያንማር ትማሊ ረቡዕ ብውሑድ 38 ሰልፈኛታት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዕልዋ ካብ ዝፍጸም ንነዘ ‘‘ብዙሕ ደም ዝፈሰሰላ መዓልቲ’’ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ፡፡

ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ኣብ ምያንማር ክርስቲን ቡርገነር፡ ኣዝዮም ዘሰምብዱ ምስልታት ካብታ ሃገር ይወጹ ከምዘለዉ ሓቢራ፡፡

ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣብ 1 ለካቲት ስልጣን ብሓይሊ ካብ ዝጭብጥ ናብዚ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰልፍታት ተቓውሞን ህዝባዊ ኣብያን እናተርኣየ እዩ፡፡

እቶም ሰልፈኛታት እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ስልጣን ከረክብን መራሒት እታ ሃገር ዝነበረት ኣንግ ሳን ሱቺ ሓዊሱ ብህዝቢ ዝተመረጹ መራሕቲ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑን እዮም ዝጽውዑ፡፡

እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ ዓባይ ብርጣንያ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዓርቢ ኣኼባ ክጽውዕ ዝሓተተት እንትኾን ኣመሪካ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ተወሳኺ ስጉምቲ ክውሰድ ትጠልብ፡፡

‘‘መጺኦም ምትኳስ ጀሚሮም’’

ኣብ ምያንማር ዕልዋ ካብ ዝካየድ ናብዚ ብውሑድ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ስክራነር ቡርገነር ትዛረብ፡፡

ፖሊስ ንዘይተዓጠቐ በዓል ሞያ ሕክምና እንተወቕዑን ሓደ ሰልፈኛ ብጥይት እንትውቃዕን ዘርእዩ ቪድዮታት ከምዝረኣየትን እያ እትገልጽ፡፡

ኣብ ምያንማር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓይሊታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዙሕ መጠንቀቕታ እንተይሃቡ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ጥያይቲ ከምዝትኩሱ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ኣብ ማእከላይ ምያንማር ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱንን 30 ከምዝቖሰሉን ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡

ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ‘‘ መንብዒ ጋዝ፣ ጠይዪትን ናይ ጎማ ጠያዪትን ተኲሶምልና’’ ክብል ንኤኤፍፒ ምስክርነት ሂቡ፡፡

ኣብ ማንዳላይ ዝነብር ሓደ ተምሃራይ ድማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘‘ፖሊስን ወታሃደራትን ናብ ከባቢና መጺኦም ምትኳስ ጀሚሮም፣ መጠንቀቕታ ኣይሃቡናን፡፡ መጺኦም ምትኳስ ጀሚሮም፡፡ ናይ ጎማ ጠያይቲ ይጥቀሙ ነይሮም፡፡ ሰብ ንምቕታል እውን ግን ጠያይቲ ተጠቒሞም እዮም’’ ኢሉ፡፡

እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን፡፡

ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ዘይበደሆ ወታደራዊ ሓይሊ

ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጸቕጢ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ንዝኾነ ዓይነት ማዕቀብን ምግላልን ከምዝጻወሮ እዩ ዝገልጽ፡፡

ልእኽቲ ድብ ሕቡረፋት ሃራት ኣብታ ሃገር፡ ሕቡራት ሃራት ኣብ ልሊሊ እቶም ጀነራላት ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስድ ተማሕጺና ኣላ፡፡ እታ ልእኽቲ ምስ ምክትል ኣዛዚ እቶም ሓይሊታት ኣብ ዝነበራ ዘተ ብዛዕባ ዝመጽእ ሳዕን ዘጠንቀቐቶ እንትኾን ንሱ ግን ‘‘ ምስ ውሑዳት መሓዙት ምጉዓዝ ክንመሃር ኣለና’’ ዝብል መልሲ ከምዝሃባ ንጋዜጠኛታ ተዛሪባ፡፡

ኣመሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ምያንማር ተወሰኽቲ ማዕቀባት ከንብራ ይሓስባ ኣለዋ፡፡