ኮቪድ-19: ሰለስተ ጀነራላት ደቡብ ሱዳን ብኮቪድ-19 ሞይቶም

ሰለስተ ጀነራላት ደቡብ ሱዳን ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም መኮንናት፡ ዴቪድ ማይኖት ባራክ፡ ኤላጃ ኣሌር ኣዮምን ማብዮር ማከት ዝተባህሉ ምዃኖም'ውን መግለጺ ናይቲ ሰራዊት ጠቒሱ።

ንስነ-ስርዓት ቀብሮም ዘወሃህድ ኮሚቲ ከምዝቖመን ምስ ድራቤቶም ይተሓባበር ምህላዉ'ውን እቲ ሰራዊት ሓቢሩ።

ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ደቡብ ሱዳን፡ ጀነራል ጆንሰን ጁማ ኦኮት፡ ኩሎም ወታሃደራት ንመምርሒታት ኮቪድ-19 ከኽብሩ ከምዝተማሕጸኖም ኣፈኛ ናይቲ ሰራዊት ብ/ጀነራል ሳንቶ ዶሚክ ኮል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ፡ ክልተ ፍሉጣት ምሁራት ዩኒቨርሲቲ ጁባ ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር ቀጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ 95 በጺሑ'ሎ። ቀጽሪ መልከፍቲ ድማ 8,144 በጺሑ ይርከብ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገርን ወድብ ጥዕና ዓለምን ከምዝብልዎ፡ ብሰንኪ ምጥሓስ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መልከፍቲ እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሓያሎ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሞዛምቢክ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞተ ይዝከር።

ኣብታ ኣህጉር ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ 104,000 ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 4 ሚልዮን ተለኺፎም፡ ኣስታት 3.5 ድማ ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ኣለዉ።

እተን ዝበዝሐ ቁጽሪ ሞት ዘመዝገባ ሃገራት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ (50,077)፡ ግብጺ(10,736)፡ ሞሮኮ (8,637)፡ ተኒዝያ (8,022) ክኾና እንከለዋ፡ እታ 2,373 ዝሞቱዋ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ካብ ዝስርዓ ሃገራት ኮይና'ላ።

ብዓለም ደረጃ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ዝሞቱ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ 114 ሚልዮን ድማ ተለኺፎም። ካብዚኦም ልዕሊ 64.6 ካብቲ ሕማም ሓውዮም ከምዘለዉ፡ ጸብጻብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።