እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ንምኽሳስ ዘብቅዕ ድጋፍ ኣባላት ሰኔት ኣይተረኽበን
ነቲ ኣብ ጥሪ ሓደ ኣብ ካፒቶል ዝተኸስተ ናዕቢ ብምልዓል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራማፕ ንምኽሳስ ዘድሊ ብዝሒ ክልተ ኢድ ናይ ሰለስተ ናይቲ ሰኔት ድጋፍ ኣይተረኽበን።
ርግጽ ኣባላት እቲ ሰኔት [ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት]፡ ሸውዓተ ኣባላት ርፐብሊካን ሓዊሱ 57 ድጋፍ ን43 ተቓውሞ ኣድሚጾም እዮም።
እንተኾነ፡ ትራምፕ ንክኽሰስ ዘድሊ ብዝሒ 67 ናይ ድጋፍ ድምጺ እንትኸውን ብ10 ጎዲሉ ተባሂሉ።
እዚ ፈተነ ምኽሳስ ትራምፕ ንካልኣይ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ትራምፕ ንክኽሰስ እኹል ናይ ድጋፍ ድምጺ እንተዝርከብ፡ ትራምፕ ንሓዋሩ ናብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከይምለስ ምተቐየደ ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ድምጺ ምሃብ ርእይቶ ዝሃበ ኣባል ኮንግረስ፡ ሰናቶር ሚዝ ማክኮኔል፡ ነቲ ‘ውቃበ ዘይብሉ’ ዝበሎ ኣብ ካፒቶል ዝተኸስተ ዕግርግር ትራምፕ ተሓታቲ ክግበር ነይርዎ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ እዋን፡ ኣንጻር እቲ ክሲ እዩ ጠጠው ኢሉ ነይሩ።
“ሕዚ ግን ካብ ፕረዚደንትነት ምስ ወረደ ስለዘኾነ እቲ ክሲ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ” ኢሉ።
ሚስተር ማኮኔል፡ ትራምፕ ብ20 ጥሪ ካብ ፕረዚደንት ቅድሚ ምውራዱ ከይኽሰስ፡ እቲ ከይዲ ኣብ ምጉታት ቀንዲ ተዋሳኣይ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ ተባሂሉ።
እንተኾነ፡ ሕዚ’ውን ትራምፕ ካብ ገበን ኣየምለጠን፡ ብካልእ ኣግባብ ሕጊ ክሕተት ይኽእል እዩ ኢሉ።
“ሕዚ'ውን ካብ’ቲ ክሲ ኣየምለጠን ዘሎ። ሃገርና ስርዓት መቕጽዒ ሕጊ ገበን ኣለዋ፤ ሲቪላዊ መቕጽዒ ሕጊ'ውን ኣለዋ። ፕረዚደንት ነበራት ድማ ካብ’ዚኦም ኩሎም ሕግታት ዘይሕተቱ ነጻ ሰባት ኣይኮኑን” ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ “እቲ ዝተረኽበ ድምጺ ንክሲ ዘብቅዕ እንተዘይኾነ’ኳ፡ ሕዚ’ውን ትርጉም እቲ ክሲ ውድቂ ኮይኑ ማለት አዓእኮነን” ኢሉ።
“እዚ ኣብ ታሪኽና ዝተርአየ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ዲሞክሪሲ በቐሊሉ ክጥርሸም ዝኽእል ከይዲ ምዃኑ እዩ ዘዘኻኽረና። ኩሉ ግዜ ተሪርና ክንሕልዎ ከምዘለና ድማ የመልክት። ኩሉ ግዜ ንቑሓት ክንከውን ይግባእ። ናዕብን ሕልፉነትን ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ስፍራ የብሎምን። ነፍሲወከፍ ኣመረካዊ ፡ ንሕና ድማ ከም መራሕቲ፡ ንሓቂ ክንጠባቕን ሕሶት ክነጋልጽን ግቡእ ኣለና” ኢሉ።
ቀዳም እንታይ እዩ ኣጋጢሙ
ተወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራቲክ፡ ኣብ መዕጸዊ መግለጺኦም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክምስረት ዝተተተለመ ክሲ ምቁራጽ ሓደገኛ እዩ ኢሎም።
“እቲ ኣብ ጥሪ ሓደ ዘጓነፈ፡ ኣብ ሃገርና መሊሱ ዘይድገመሉ ዕድል የለን” ኢሉ ተወካሊ ጆ ንጉሰ።
ተወካሊ ማድሊን ዲን ብወገኑ፡ “እዚ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ እዩ ኣብ ዘበንና ተፈጺሙ ዘሎ። ምድሕርሓር ኣየድልን” ኢሉ።
ጠበቓታት ትራምፕ፡ ሚካኤል ቫን ዲ ቪን፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ‘ንይምሰል’ ክብል ዘናኣሶ ኾይኑ፡ ሰልፊ ዲሞክቲክ፡ ትራምፕ ብምኽሳስ ተወሊፎም እዮም ኢሉዎም።
“እዚ ክሲ ካብ መጀመርትኡ ክሳብ መወዳእትኡ ኣብ ሕሶት ዝተመስረተ እዩ። ተቓወምቱ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገብርዎ ዘይተቛረጸ ፖሊቲካዊ ጎስጓስ ውጽኢት ምዃኑ ድማ እዩ ዘርኢ” ኢሉ።
ትራምፕ ብወገኑ’ውን “ብዚ መገዲ ዝሓለፈ ፕረዚደንት የለን፤ እቲ ‘ዓባይ ኣመሪካ ምፍጣር’ ዝብል ሕልሚ ተጀሚሩ ‘ምበር ኣይተዛዘመን” ኢሉ።
እቲ ክሲ እንታይ እዩ ነይሩ
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደገፍቱ ንህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ካፒቶል፡ ብምውራር ጉድኣት ኣብ ዘብጽሑሉ እዋን አተባቢዑዎም ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ።
ትራምፕ ዝኾነ ጭብጢ ብዘይምቕራብ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምትላል ከም ዝነበረ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክሲ ኣልዒሎም ዘለው ኣባላት ደሞክራት ብሰሉስ ኣብ ዝጀመርዎ መስርሕ፡ ትራምፕ ጥሪ 6 ዘስምዖ መደረን ገለ ደገፍቱ ዝፈጸምዎ ህውከትን ዘርእይ ቪድዮ ንኣባላት እቲ ባይቶ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ኣባል ደሞክራት ጀሚይ ራስኪን ኣብ ዘስምዖ ምጉት፡ እቲ ተግባር "ዓቢይ ገበን" ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ "እዚ ዘየኽስስ እንተኸይኑ፡ ካልእ ዘኽስስ ጥሕሰት ሕጊ ክህልው ኣይኽእልን" ኢሉ ነይሩ።
ጠበቓታታት እቲ ፕረዚደንት ነበር ብወገኖም፡ ንሓደ ፕረዚደንት ነበር ካብ መዝነቱ ምስ ተኣለየ ምኽሳስ ሕገ መንግስታዊ ከም ዘይኾነ ብምግላጽ፡ እቶም ኣባላት ደሞክራት ብፖለቲካ ተደሪኾም ይገብርዎ ምህላዎም ክኸሱ ጸኒሖም።
እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉዳይ ድምጺ ኣብ ዝሃበሉ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ሪፓብሊካን እቲ ክሲ ክቕጽል ብምፍቓዶም፡ 56-44 ብዝኾነ ድምጺ እቲ ውሳነ ሓሊፉ ነይሩ።