እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩማንያ፡ ሓደ ህጻን ስርዓተ ጥምቀት እናተፈጸመሉ ብምማቱ ጠለባት ለውጢ ተላዒሉ
ኣብ ሩማንያ፡ ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ሰሙን ህጻን ሰዓታት ድሕሪ ጥምቀቱ ብምማቱ፡ ተመሳሳሊ ስርዓታት ጥምቀት ተወሳኺ ሓደጋ ከየስዕቡ ዳግመ ግምት ክግበረሎም ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን እታ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ ህጻን፡ ከም ስርዓት እታ ቤተ ክርስትያን: ሰለስተ ግዜ፡ ኣብ ዝተቐደሰ ማይ ድሕሪ ምጥላቑ'ዩ ህርመት ልቡ ኣቋሪጹ።
ሕክምናዊ መርመራ ምስተገብረሉ ኣብ ሰናቡኡ ፈሳሲ ከም ዝተረኽበን ተሳቕዩ ከምዝሞተን ተረጋጊጹ።
ብድሕር'ዚ ኣብ ስርዓታት ጥምቀት ለውጢ ክግበር ናይ ዝጠልብ ናይ ኣስታት 60,000 ሰባት ፌርማ ተኣኻኺቡ ኣሎ። ሊቀ-ጳጳስ ዝርከቦም ኣባላት እቲ ቤተ ክህነት ከይተረፈ ከኣ ነቲ ጠለብ ለውጢ ደጊፎምዎም።
እቶም ውሉደ ክህነት፡ ኣደቫሩል ንዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሩማንያ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ናይ ምጥላቕ ተግባረ-ጥምቀት ዳግመ ግምት ከም ዝግበረሉን "እቲ ዝሓልፍ ውሳነ ንስርዓት ቤተ ክርስትያን ዘኽብርን ዘየድሊ ሓደጋታት ዝኣልን" ከም ዝኸውን ተዛሪቦም።
እቲ ክስተት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ሱካቫ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ጥምቀት ዝፍጽም ዝነበረ ካህን እውን "ናይ ቅትለት" መርመራ ተጀሚሩ'ሎ።
ሞት እቲ ህጻን ኣብ ኣፈጻጽማ ስርዓተ ጥምቀት ለውጥታት እንተስዒቡ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ሮማንያ ነቓዕ ከም ዝፈጥር ይግለጽ።
ገለ ካብ ዓበይቲ መራሕቲ እታ ቤተ ክርስትያን ስርዓተ ጥምቀት ዝካይደሉ መገዲ ንምቕያር ምልክታት ከርእዩ እንከለው፤ ካልኦት ግና ነቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ፡ ንርእሲ እቲ ህጻን ኣብ ማይ ናይ ምጥሓል ስርዓት ክቕጽል ይደልዩ።
ሊቀ ጳጳስ ካሊኒክ እቲ ስርዓት ዝፍጸመሉ መገዲ ክመሓየሽ ክሙግቱ እንከለው፡ "እየሱስ ኣብቲ ክሳብ ክሳዱ ዝበጽሕ ማይ ደው ኢሉ ርእሱ ኣድኒኑ ማይ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ከም እተጠምቀ" ይዛረቡ።
ሊቀ ጳጳስ ቶሚስ ግና "ነቲ ስርዓት ፈጺምና ኣይንቕይሮን ኢና። ቀኖና እዚ ሃይማኖት ንልዕሊ 1000 ዓመታት ዝጸንሐ እዩ" ብምባል ኣትሪሮም ይምጉቱ።
ሊቀ ጳጳስ ካሊኒክ ኣብ ዘካየድዎ ስርዓተ ጥምቀት ኣስተምህሮ ክህቡ እንከለው፡ ርእሲ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዝፍጸም ጥምቀት ንዓበይቲ እምበር ንህጻናት ኣጸጋሚ ምዃኑ ነጊሮም። ንሶም ህጻናት ንእግሮም ጥራይ ኣብ ማይ ብምእታው ኣብ ርእሶም ሒደት ማይ ብምንጻግ ክጥመቑ ከም ዝኽእሉ ይሕብሩ።
ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት ዝጸንሓ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ሮማንያ፡ ብኣተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እውን ክትንቀፍ ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ሩማንያ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ናብ ዕጽዋ ተምርሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ክሉጅ፡ ካህናት ንኹሉ እቲ ምእመናን ብሓንቲ ማንካ ቅዱስ ቁርባን ምሃቦም ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።