ዶባዊ ጸገማት ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ሳልሳይ ወገን ኣየድልይን'ዩ ተባሂሉ

ኢትዮጵያ፡ ነቲ ምስ ሱዳን ዘለዋ ናይ ዶብ ጸገማት ሳልሳይ ኣካል ክኣትዎ ከምዘትደሊ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ተክኒካዊ ኣማኻርን ኮምሽን ዶብ ኢትዩ-ሱዳን ኣቶ ውሂብ ሙሉነህ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቶ ውሂብ ሙሉነህ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሱዳን ዘለዋ ናይ ዶብ ጸገማት ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ ጽኑዕ ድሌት ከምዘለዋ እዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ ክሳብ ሕጀ ብዘሎ ምዕባለታት፡ ሱዳን'ውን ነቲ ዘሎ ጸገም ብዘይ ጣልቃ ሳልሳይ ወገን ክፍታሕ ከምእትደልን ሳልሳይ ኣዛታዩ ኣካል ኣብ ሞንጎና ይሃሉ ዝብል ሓሳብ ከምዘየቕረበትን ኣቶ ውሂብ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተኸሲቱ ዘሎ ጸገማት ንኽሽምግሉ ዝተፈላዩ ኣካላት ጻዕሪ ይገብሩን ይሓቱን ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና ብመንገዲ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኸሰተ ዶባዊ ጸገማት ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ምቅራባ ይፍለጥ።

ሓረስቶት ሰሜን ጎንደር፡ ሰራዊት ሱዳን እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሰራዊት ፈዴራል ኣብ ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ ናብኡ ምስ ከደ ሰራዊት ሱዳን 8 ሕዳር 2020 ( 29 2013 ዓ.ም) ናብቲ ቦታ ከምዝኣተዉ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ጸገማት ብዘተ ክልቲኦም መንግስታት ከምዝፍታሕ እኳ ትግለጽ እምበር፡ መንግስቲ ሱዳን ግን ካብቲ ሒዝዎ ዘሎን ናተይ እዩ ዝብሎን መሬት ከምዘይወጽእ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ካብቲ ብሓይሊ ሒዛቶ ዘላ መሬት ክትወጽእ ከም ቅድመ ኵነት ብምቕራብ፡ እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ዝኾነ ዘተ ከምዘይህሉ እያ መርገጺ ሒዛ ዘላ።

ኣቶ ውሂብ'ውን ጉዳይ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ክልትኤን ሃገራት ብዝመስረተኦም ጽላታት ክፍታሕ ከምዝኽእል እዩ ዝሕብር።

ንሱ፡ ብምስዓብ እቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸገማት ክሳብ ዝፍታሕ፡ እቲ ክልቲአን ሃገራት ዝኸተማሉ ስምምዓት ተኸቢሩ ክጸንሕ ከምዘለዎ ይሕብር።

"ንህላወ ኢትዮጵያ ዝጻረሩ ሓይልታት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና" ዝበለ ኣቶ ውሂብ "ኣብዚ ጉዳይ [ናይ ዶብ ጸገም] ካልእ ሳልሳይ ኣካል ክህሉ ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዶባዊ ጸማት ሱዳንን ኢትዮጵያ፡ እቲ ጸገም ሳልሳይ ኣካል ተወሲኽዎ እዩ ዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ ብወገን ኢትዮጵያ እኳ ይስማዕ እንተኾ፡ እቲ ሳልሳይ ካልን ዝብሃል ዘሎ ሃገር ይኹን ጉጅለ ግን ብንጹር ኣይጥቀስን እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ኢትዮይያ ኣብዚ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዶብ ጸገም ሳልሳይ ኣካል ክኣቱ ከምዘይትደሊ እዩ ኣቶ ውሂብ ዝገልጽ።

ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ንዝፍጠር ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1972 ዶባትን እንደገና ንምጥራር ከምዝተፈራረማ ኣቶ ውሂብ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 1972 ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓደ ዘሰማምዐን ሓሳብ ክሳብ ዝበጽሓ፡ እቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ነገራት ከምዘለዎ ክጽንሕ ዝብል ሓሳብ ከምዝርከቦ እዩ ኣቶ ውሂብ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ 1972 ዝተኸመ ስምምዕ ኣብ መዝገብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሰፈረ ብምጥቃስ፡ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ክኸውንን ኵናት ከምዘየድልን ኢትዮጵያ ንሱዳን ከምዝገለጸትላ ጠቒሱ።

"ብወገን ኢትዮጵያ ድሌት ናይ ኵናት የለን" ዝብል ኣቶ ውሂብ ኣብቲ ቦታታት ዝርከብ ህዝቢ ሱዳንን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብዝተፈለላየ መዳያት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ እዋን ንግስነት ሃይለስላሰ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ዶብ ጸገም ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ጉዳያተን ብዘተ ከምዝፈተሐኦ ኣቶ ውሂብ ከም ኣብነት ይጠቅሶ።

ኣቶ ውሂብ ኣብቲ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሕጂ'ውን ሓሓሊፉ ቶኵሲ ከምዝስማዕ ብምግላጽ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ደው ክብል ኢትዮጵያ ከምዝሓበረት ጠቒሱ።

እዘን ክልተ ሃገራት መዓስ እየን ዘተ ከካይዳ ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እቲ ዘተ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክካየድ ከምዝኽእል እዩ ገሊጹ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ሓባር ኮምሽን ዶብን ናይ ሓባር ተክኒካዊ ኮሚቴን ብምምስራት ነቲ ኣብ ዶብ ዘለወን ጸገማን ንምፍታሕ ክሰርሓ ምጽንሓን ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ 'ወፍሪ ምክባር ሕጊ' ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን መንግስቲ ሱዳን ኣድላዪ ደገፋት ክገብር ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረበት ዝሓበረ ኣቶ ውሂብ፡ ብመሰረት ኣብቲ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተዓጽዮም ክጽንሑ ዝብል ይርከቦ።

ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊራ መሬት ኢትዮጵያ ክትሕሉ ግን ዝኾነ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየሎ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ውሃቢ ቃል "ኣብቲ ዶባት ንጸጥታ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኮነ ምንቅስቓስ ከይግበር መንግሰቲ ሓደራ ኢሉ ነይሩ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ዶብ ሰጊርኩም ናብ መሬትና ኣቲኹም ሓልዉልና ዝብል ሓሳብ ግን ኣይነበረን" ኢሉ።

ዋና ጽሓፊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃኒ ኣብ ሓደ እዋን፡ ሱዳን ሰራዊታ ናብ ዶብ ዘጸጋዓትሉ ቀንዲ ምኽንያት ብሕቶን ፍቃድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይተ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀንዲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ምስ ተዋፈረ፡ ሱዳን ዶብ ሰጊራ መሬት ኢትዮጵያ ከምዝሓዘት ይጠቅስ።

መንግስቲ ሱዳን ግን፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ልኡላዊ መሬት ሱዳን ምዃኑን ዝኮነ ከባቢ ከምዘይትመልስ'ያ እትገልጽ።

ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ነቲ ንንዊሕ እዋን ተቋሪጹ ዝነበረ ነቲ ንኽልቲአን ሃገራት ዘራኽብ 744 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ንምጥራር ዘኽእል ምዝራርብ ጀሚረን ምጽንሓን ዝዝከር እዩ።

እቲ ክልቲአን ሃገራት ንፍትሑ ኣጸጊምወን ዘሎ ኣቲ ኣብ ከባቢ ፋሽጋ ዝርከብ ቦታታት እዩ። በቲ ኣብ 1902 ከምኡ'ውን ኣብ 1907 ዝተበጽሐ ዓለምለኻዊ ስምምዓት እቲ ዶብ ናብ ምብራቕ እትው ዝበለ እዩ።

በዚ መሰረት እቲ መሬት ንሱዳን እዩ ዝብጽሓ፡ እንተኾነ እቲ ቦታ ኢትዮጵያውያን ዝነብርዎ ስለዝኾነን ኣቐዲሞም እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሓረስቶት ግብሪ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸፍሉ ስለዝጸንሑ ነቲ ጉዳያት ሓላሊኽዎ ይርከብ።