ቅልውላው ሊብያ፡ ልኡኻት ሊብያ ምክፍፋል እታ ሃገር ከብዕቕ ተሰማሚዖም

ግዝያዊ መንግስቲ ሓድነት ሊብያ ነቶም ተነሓናሕቲ ምምሕዳራት እታ ሃገር ተኪኡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መረጻ ከካይድ ተሓርዩ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝመርሖ ፎረም ዝተረኸቡ ልኡኻት፡ እቲ ኣብ ጀኔቫ ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ምስ ተዛዘመ፡ ሰለስተ ኣባላት ፕሬዝደንታዊ ባይቶን ቐዳማይ ሚኒስትርን መሪጾም ኣለው።

እዚ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኵሲ ዝመጽአ መስርሕ ህንጸት ሰላም እዩ።

ሊብያ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒኣ ሙዓማር ጋዳፊ ብኔቶ ብዝድገፉ ሓይልታት ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ምስ ተቐትለ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ዕግርግር ከም ዝኣተወት ይፍለጥ።

እዛ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ትሕዝቶ ጋዝን ነዳድን ዘለዋን ንሙሉእ ቲ ዞባ ትምግብን እኳ እንተነበረት፡ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ንዝደልዩ ስደተኛታት ቀንዲ መሳገሪት ዘይሕጋዊ ስደኛታት ኮይና ጸኒሓ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ግሪክ ዝነበረ መሓመድ ዮኑስ መንፊ፡ ሓላፊ እቲ ፕሬዝደንታዊ ቤት ምኽሪ ክኸውን'ዩ።

ነዳጋይ ዓብዱል ሓሚድ መሓመድ ድቢባህ ድማ ናይ ስግግር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ኣሎ።

እዚኦም፡ ኣብቲ 24 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም ዝካየድ መረጻ ኣይወዳደሩን።

እቶም ሕጹያት ኣብ ኩሎም መንግስታዊ መሓውራት 30 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክሾሙ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ኣብ ሊብያ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደ መረጻ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው፡ ፖለቲካዊ ስሕበት እታ ሃገር ኣብ ክልተ ተገሚዑ ይርከብ።

እቲ ሓደ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምራሕ ኮይኑ እቲ ካልእ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ መንግስቲ ብሄራዊ ስምምዕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መንግስቲ'ዮም።

ክልቲኦም ወገናት ደገፍ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ዝረኽቡ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ካልኦት ብዙሓት ጉጅለታትን ዕጡቓት ሚሊሻታትን'ውን ኣለው።

ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊብያ ስቴፋኒ ዊልያምስ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፖለቲካ ዝተወጻጽአ ካቢኔ ንምጥያስ 21 መዓልታት ከም ዝተዋህቦ ገሊጻ።