እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
500 ዓመታት ዘቑፀረ ቅብኣ ኣብ ጣልያን ኣብ ሓደ ገዛ ተረኺቡ
500 ዕድመ ዘቑፀረ ዝተዘምተ ቅብኣ (ስእሊ) ኣብ ጣልያን ኣብ ሓደ ገዛ ተረኺቡ።
እዚ ሰራሕተኛታት እቲ ቤተ መዘክር ከምዝተሰረቐ ዘየስተብሃልሉ ቅብኣ፡ ናብ ሙዝየም ከምዝተመለሰ ድማ ተገሊፁ።
እዚ ቅዳሕ ውልዶ ጥበብ ዳቬንቺ "ሳልቫቶር ሙንዲ" (መድሕን ዓለም ) ከምዝኾነ ዝእመን ቅብኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኔፕልስ ኣብ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ፡ ኣብ ኣርማድዮ እዩ ተረኺቡ።
ተምሃሮ ዳቬንቺ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ፡ ብሓደ ከምዝተስኣለ ድማ ይእመን።
ፖሊስ፡ ንወናኒ እቲ ስእሊ ዝተረኸበሉ ገዛ ወዲ 36 ዓመት ጥርጡር፡ ዝተሰረቐ ንብረት ብምቕባል ብዝብል፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣኽባሪ ሕጊ ጆቫኒ መሊሎ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ፡ “እዚ ስእሊ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ብብሩህን ቆራፅን ስርሒት ፖሊስ እዩ ተረኺቡ” ኢሉ።
እዚ ቅብኣ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሳን ዶሜኒኮ ማጊየር ናይ ዝርከብ ሙዝየም ዶማ ኣካል ምዃኑ ከኣ ተገሊፁ።
“እቲ ስእሊ ዝተቐመጠሉ ሙዝየም፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንሰለስተ ኣዋርሕ ስለዘይተኸፈተ፡ ሰብመዚ፡ እቲ ቅብኣ ከምዝተሰረቐ ኣይፈለጡን” ኢሉ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ጆቫኒ መሊሎ።
እዚ ቅብኣ ከምዝጠፍአ ብዘይምግላፁ፡ መዓዝ ካብቲ ሙዝየም ከምዝተዘመተ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ሙዝየም ክሳብ ወርሒ ጥሪ፡ እቲ ቅብኣ ኣብ ኢዱ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
ዋላ’ኳ ፖሊስ እቲ ቅብኣ ከመይ ከምዝተሰረቐ የፃሪይ እንተሃለወ፡ ናብቲ ቤተ መዘክር ከመይ ኣትዮም ንዝብል ግና ዝኾነ ዝተሰበረ ሓባሪ ኣይረኸበን።
“እዚ ከኣ፡ እቲ ቅብኣ ብብርኪ ዓለም ኣብ ንግዲ ጥበብ ብዝተዋፈረ ትካል፡ ከምዝተዘመተ ዘእምን እዩ” ኢሉ፡ ኣኽባሪ ሕጊ መሊሎ።
ሓደ ሓደ ሰብ ሞያ፡ እዚ ውልዶ ጥበብ ኣብ መፈለምታ 1500፡ ተምሃራይ ሊዮናርዶ ዳቬንቺ ዝነበረ ጃኮሞ ኣሊብራንዲ ከምዝሰኣሎ እዮም ዝኣምኑ።
እዚ ስእሊ፡ እየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢዱ ንላዕሊ ጌሩ፡ ብካልእ ኢዱ ድማ ሉል ሒዙ የርእይ።
500 ዓመታት ዘቑፀረ ምስሊ እየሱስ ክርሰቶስ፡ ሓድጊ ጥበብ ሊዮናርዶ ዳቬንቺ፡ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ450 ሚልየን ዶላር ከምዝተሸጠ ይዝከር።
ነዚ ውልዶ ጥበብ ዳቬንቺ ዝዓደገ መንነቱ ዘይተገለፀ ተዓዋቲ፡ እቲ ጨረታ፡ንክዛዘም ኣስታት 20 ደቓይቅ እንትተርፎ እዩ ብስልኪ ደዊሉ ተሳቲፉ።
ብ1519 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝሞተ ሊዮናርዶ ዳቬንቺ ካብ መንጎ ዝፈጠሮም ቅብኣታቱ፡ እቶም ብጣዕሚ ውሑዳት ልዕሊ 20 ዝኾኑ ፍርያት ጥበቡ፡ ክሳብ ሕዚ ኣለዉ።