ናይጄርያውያን ሓገግቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንከይኽፈታ ተቓዊሞም

ምንጪ ስእሊ, Hon. Prof. Julius Ihonvbere/Twitter
ኣባላት ባይቶ ናይጄርያ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዘሎ መደብ ብሰለስተ ወርሒ ክናዋሕ፡ ንመንግስቲ ፌደራል ሓቲቶም።
እቶም ኣባላት ነዚ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ ብምህላዉ እዩ።
ኣብያተ ትምህርቲ ናይጄርያ ሰኑይ ክኽፈታ እዩ፡ ተወሲኑ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኮሚቴ ጉዳያት ትምህርቲ ባይቶ እታ ሃገር፡ በብመዓልቱ 1 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ፀብፃባት ኣብ ዝወጽአሉ ግዘ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዝግበር ዘሎ ምሽብሻብ ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣቦወንበር እቲ ኮሚቴ ጁልየስ ኣይሆንቭቤር፡ ኣብያተ ትምህርቲ 75 ሚእታዊት መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ዘማልኣ፡ ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ክፀንሑ ይግባእ ኢሉ።
“ኣብ ሌጎስን ካልኦት ከባብታትን፡ መንግስታት መምርሕታት ኮቪድ-19 ተግባራዊ ንክኾኑ ኣይገበሩን። ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ኮነ ሳኒታይዘር ኣይጥቀሙን” ኢሉ፡ ጁልየስ ኣይሆንቭቤር።
እቲ ኮሚቴ፡ ተምሃሮ ቅድሚ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሶም፡ መንግስቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ምእዙዝነትን ምድላዋት ኣብያተ ትምህርትን ከፅንዕ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







