ስለምንታይ ንፓትሪስ ሉሉምባ ምዝካር ኣድለየ?

ፓትሪስ ሉሙምባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፓትሪስ ሉሙምባ ሓደ ካብ'ቶም ፈለምቲ ንቕሓት ኣፍሪቃውያን'ዩ፣ ኣንጻር በልጃውያን ገዛእትን ንናጽነት ኮንጎን ዝተቓለሰ ግን ብውዲት ከኣ ብኣሊፍ ዝሓለፈ ትኩር ሰብ ነበረ። እዋኑ፡ እዋን ግርህነትን ሓድሽ-ምጅማርን ነበረ።

ነቲ ሉሙምባ ዝሓለፎ ጕዕዞ ተመሊስና ንክንበጽሖ ንግደድ። ሎሚ ዕለት 17 ጥሪ ሉሙምባ ካብዛ ዓለም ዝተፈለየላ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ'ቲ ናቱ ታሪኽ ከነምልጥ ስለ ዘይከኣል'ዩ ክንብል ንኽእል።

ብ 1862 ኣብርሃም ሊንኮልን: መበል 16 ፕረሲደንት ሕ.መ.ኣ.፡ "ካብ ታሪኽ ከነምልጥ ኣይንኽእልን" ክብል ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይገልጽዎ። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ነቲ ባዕሉ ዝተቓለሰሉ - ንኣግእዞ ባርነት - ደጊሙ ንክከላኸል ንኮንግረስ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ነበረ።

በቲ ንባሮት ሓራ ምውጻእ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዝከራኸርዎን ዝጻብእዎን አባላት ኮንግረስ ስለ ዝነበሩ፡ ንከምዕዶም "ታሪኽ ከም ዘይምሕር፡ እንተ ብሕማቕ እንተ ብጽቡቕ ኣስማትና ንሓዋሩ ከም ዘልዕሎ ከቶ ኣይንረስዕ" ክብል ዝመጐተሉ እዋን ነበረ።

ኣብ ኣፍሪቃ ታሪኽ ብግቡእ ተሰኒዱ ድዩስ ወይስ ዝሰዓረ ከም ድላዩን ብዝጥዕሞን ዝጸሓፎ ታሪኽ'ዩ ዘሎና ዘብል ዛዕባ ዘካትዕን ብተደጋጋሚ ዝለዓልን'ዩ።

ቅልውላው ኮንጎ ብሓፈሽኡ

ንታሪኽ ፓትሪስ ሉሙምባ ንምርዳእ ታሪኽ ቅልውላው ኮንጎ ትንክፍ ኣቢልናዮ ክንሓልፍ ናይ ግድን'ዩ። ንታሪኽ ቅልውላው ኮንጎ ንምፍላጥ ድማ ሞቡቱ፡ ሞይስ ቾምበ፡ ምስ ተሓባበርቶም በልጅዩምን ሕ.መ.ኣ.ን ኣብ ሓደ ስእሊ ኣእቲና ከነቕርቦም ይግባእ።

ቅልውልው ኮንጎ ንዘበን ፖለቲካዊ ዱርማዱር'ቲ ሃገር ንምግላጽ እንጥቀመሉ መግለጽያ'ዩ። እዋኑ - 1960 ክሳብ 1965 - እዋን ረብሻ ነበረ። እቲ ዝተፈጥረ ምልዕዓል ድማ ምስ ምትእትታው ናጽነት ዝተኣሳሰር ነበረ። እቶም ዝተሓላለኹ ናዕብታት ክብሉ-ክብሉ ነታ ሃገር ንሓድሕዳ ኣናቘታ፣ ኣብ መጠረስትኡ ኸኣ ኣብ ኢድ ዉልቀ መላኺ ሞቡቱ ሰሰ-ሰኮ ወደቐት (1965-1997)።

ብተወሳኺ፡ ቅልውላው ኮንጎ ብእዋን ዝሑል-ዉግእ ብበዓል-ደረባነት (ብድሕሪት ኰይኖም ዘጐሃህሩ ሓይልታት) ዝካየድ ስለ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣሜሪካን ሶቬት-ሕብረትን ንሓድሕዶም ዝጋጨውሉ ዝነበሩ ዘበን ነበረ። ቅልውላው ኮንጎ ማዕረ 100,00 ሰባት ዝለሓሰ ግጭት ነበረ።

1960፡ ዓመተ-ኣፍሪቃ

ብዙሕ ጊዜ 1960 ብ"ዓመተ-ኣፍሪቃ" ኢያ ትፍለጥ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ዓመት'ቲ ብርክት ዝበሉ ፍጻሜታት ክኽሰቱ ብምኽኣሎም - ኣውራ ናጽነት 17 ሃገራት ነቲ ዓመት ከድምቖ ከኣለ፣ እቶም ናጽነታት ከኣ ብጊዲኦም "ፓን-ኣፍሪቃውነት" (Pan-Africanism) ዝበሃል ምንቅስቓስ ፈጠረ።

"ፓን-ኣፍሪቃውነት" ኣብ ሞንጎ ኣፍሪቃውያን ኣንፈት ሕውነትን ምትሕብባርን ዘትሕዝ ምንቅስቓስ ዝተኻየደ ፈተነ ነበረ። ኣብዚ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይቲ ምንቅስቓስ በዓል ኩዋመ ንክሩማ (ጋና) ጆሞ ከንያታን (ኬንያ) ነበሩ። እቲ ሞራላዊ ባህሊ "ፓን-ኣፍሪቃውነት" ካብ ቃልስታት ኣንጻር ባርነት፡ ዘርአኝነት፡ ባዕዳዊ-መግዛእቲ፡ ዘመናዊ-መግዛእቲ ዝመንጨወ'ዩ።

1960 ንናጽነት ኣፍሪቃ ኣብ ጥርዚ ክበጽሕ ዘብቅዐ ጥራይ ዘይኰነስ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ብእታው ህላዊአን ዘረጋገጻሉ ዓመት ነበረ።

እቲ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ኣስተሃብሮን ተስፋን መጻኢ ዕድላት ኣፍሪቃ (ከም ሓንቲ ብመጠኑ ጥርንፍቲ ክፍለ-ዓለም) ከተኣታቱ'ኳ እንተኸኣለ፡ ኣፍሪቃ ምስ'ቶም ኣብ ጽባሕ-መግዛእቲ ዝጽበይዋ ዝነበሩ ጎነጻውያን ክውንነታት ንኽትጠማጠም ናይ ግድን ምዃኑ ክገሃድ ጀመረ።

ብተወሳኺ፡ 1960 ኣብ ኣፍሪቃ ዝተቐላቐሉ ብረታዊ ቃልስታት - ንኣብነት ኣንጻር ዘርኣዊ-ፍልያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ - ሳዕቤናቶም ክርአ ጀመረ።

ኣብታ ዓመት'ቲኣ ኵለን ግዝኣታት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት - ኣብ ፈረንሳዊ ምዕራባዊ ኣፍሪቃን ኢክዋቶርያል ኣፍርቃን - ናጽነተን ረኸባ። እንኮላይ ግዝኣት በልጅዩም ዝነበረት ኮንጎ።

ኣብ ዞባናኸ? 1960 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ካይሮ ብኢድሪስ መሓመድ ኣደምን ካልኦትን ዝተመስረተሉ ዓመት ነበረ። ኣብ መስከረም 1960 ሳልሳይ ምርጫ ኣሰምብለያ ዝተኻየደሉ፡ ማሕበር ኣንድነት ንምርጫ ዝተቋጻጸርሉ፡ ኣምሓርኛ ኸኣ ዕላዊ ቋንቋ ኤርትራ ዝኾነሉ ዓመት ነበረ።

ብናጽነት ኮንጎን ብኣድማ ወትሃደራት ዝተጀመረ ተጻብኦን

ናጽነት ምስ ተቓረበ ምስሕሓባት ክፍጠር ጀመረ። በልጅዩም ጥቕማ ንክሕለወላ ክትደፍእ ጀመረት፣ ንፓትሪስ ሉሙምባ ንኸተውድቕ "እዚ ኮሙኒስታ ኢዩ" እናበለት ናይ ባዕላ ወፈራታት ተካይድ ነበረት። ሉሙምባ ግን ጸኒዑ ተቓለሰ። ንዕለት 30 ግንቦት ምርጫ ምስ ተኻየደ ሉልምባ ዝመርሓ ዝነበረት ሰልፊ ጸብለል በለት።

30 ሰነ 1960 - መዓልቲ ናጽነት ኮንጎ - ደበኽ በለት። ሉሙምባ ድማ እቲ ቀዳማይ ብህዝቢ ዝተመርጸ መራሒ ናይዛ ሕጂ ብ"ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ" እትፍለጥ ሃገር ኰነ። ብዉሽጠ-ዉሽጢ ግን በልጃውያን ኣይደቀሱን፣ ከም ገዛእቲ-ነበር ዓብላሊ ተራ ክጻወቱ ጌና ይፍትኑ ነበሩ።

ሓደ ለፍተናንት-ጀነራል ኤሚል ያንሰንስ ዝተባህለ ናይ በልጅዩም ኮማንደር፡ እቲ ናጽነት ስለ ዘይዓጀቦ፡ ነቶም ጸለምቲ ወትሃደራቱ ኣኪቡ ሎሚ ከም ትማሊ ኢና ንሰርሕ፡ ለውጢ ክተኣታቶ ተስፋ ኣይትግበሩ ኢሉ ገለጸሎም። እቶም ወትሃደራት ኵነታቶም ክመሓየሽን ሽመት ክውሰኾምን እናተጸበዩ ጽ'ባሕ-ናጽነት ከምኡ ክብሎም ኣይተዋሕጠሎምን። ክእድሙ ድማ ጀመሩ።

ሓምለ 1960 ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ወትሃደራት ኮንጎ ኣደሙ፣ ሉሙምባ ድማ ንድልየት ጸለምቲ ወትሃደራት ብምምላእ ነቲ ጀነራል ረፊቱ ብሓደ ጸሊም፡ ሰርገንተ-ዓቢዩ ዝመዓርጉ ቪክቶር ሉንዱላ፡ ድሓር ናይ ጀነራል መዓርግ ዝተዋህቦ ሰብ ተክኦ። ንምኽትል ቪክቶር ሉንዱላ ዝኸውን ከኣ ንሞቡቱ (ብ1965 ፕረሲደንት ዝዀነ) ሾመ።

በዚ ዝተላዕለ ዕግርግር ኰነ። ጸዓዱ መኰንናትን ወትሃደራትን ምስ ጸለምቲ ገጠሙ። ህዝቢ ንሓድሕዱ ክቃተል ጀመረ፣ ጸዓዱ ኸኣ ኣብ ፈቐድኡ ክዝረፉ ክሳጐጉን ጀመሩ። ሉሙምባ ነቲ ሃገር ክቈጻጸሮ ኣይከኣለን። መንግስቲ በልጅዩም ከኣ ኢዱ ጣልቃ ከእቱ ጀመረ።

እቲ ናዕቢ ምዝሓል ምስ ኣበየ፡ ወትሃደራት በልጅዩም ኣንዳዕዲኦም ነቲ ግጭት ተታሓሓዝዎ። ነቲ ፕረሲደንት ናይቲ ሃገር ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሉሙምባ ከም ዝርሕቕ ገበሩ፣ እቶም ኵሎም ጸዓዱ ኣብ ሚኒስትሪታት ኰነ ስርሓት መንግስቲ ዝነበሩ ንከንሳሓቡ ገበሩ። ሽዑ እቲ ሓዲሽ መንግስቲ ሉሙምባ ኣብ ፍጹም ሕንፍሽፍሽ ኣተወ።

ሞይስ ቾምበ ዝተባህለ መራሒ ኣብ ካታንጋ ዝተባህለ ሃብታም ዞባ ኮንጎ ተላዕለ፣ ናይ ካታንጋ ናጽነት ከኣ ኣወጀ። ካታንጋ ኣብ ደቡባዊ ኮንጎ እትርከብ ብማዕድን ዝሃብተመት ዞባ ነበረት። ኣብ ካታንጋ ዝነበሩ ትካላት መብዝሕትኦም ብበልጃውያን ይውነኑ ነበሩ። ዕሱባት ወትሃደራት በልጅዩም ከኣ ኣብ ካታንጋ ተዘርጊሖም ንጥቕምታት በልጅዩም ይሕልዉ ነበሩ።

በልጅዩም ንድሕነት ዜጋታቶም ክብሉን ዕደናዊ ጥቕሞም ንክሕለወሎምን ምስ ካታንጋ ክትተሓባበር ከኣ ወሰንት። ጸኒሑ ድማ ደቡብ-ካሳይ ዝበሃል ዞባ፡ ምስ ካታንጋ ዝዳወብ፡ ብኣልበርት ካሎንጂ ዝምራሕ፡ ካብ ኮንጎ ተፈልየት። ነዚ ኵሉ ሕንፍሽፍሽ ሉሙምባ ክቈጻጸሮ ኣይከኣሎን። መንግስቲ ኮንጎ ድማ ካብ ማዕድን ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ጨሪሱ ደው በለ - 40% እቶት መንግስቲ።

ቤት-ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ንኵነታት ንምርግጋእ ወትሃደራት ናብ ኮንጎ ንኽትልእኽ ወሰንት። ብ 14 ሓምለ 1960፡ ንዉሳኔ 143 - ንወትሃደራት በልጅዩም ክወጹን ብወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት ንክትክኡን - ኣጽደቐት።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ'ተን ወትሃደራት ንኮንጎ ዝለኣኸት ሃገር ነበረት። ወትሃደራት ኢትዮጵያ ምስ'ቶም ቀዳሞት 3500 ዝኣኽሉ ወትሃደራት ሕቡራት ሃገራት ተሓዊሶም ንኮንጎ ተላእኩ። ኣብ ፈለማ፡ ቍጽሪ ወትሃደራት ኢትዮጵያ 460 ጥራይ ነበረ፣ ድሒሩ ግን ቍጽሮም ወሰኸ - ብተኪል ዝፍለጥ ብሪጌድ (ልዕሊ 3000 ወትሃደራት) ከም ዝተተክአ ሰነዳት ይዝርዝሩ።

ፖለቲካ ዝሑል ዉግእ

ሉሙምባ፡ ምእታው ወትሃደራት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎ ነቲ ናዕቢ ከህድኦ'ዩ ዝብል ግምት ነበሮ። እቶም ዝተላእኩ ወትሃደራት ግን ኣብ ዉሽጣዊ ጕዳይ ኮንጎ ኢዶም ንኸየእትዉ ብጥብቂ ክልኩላት ስለ ዝነበሩ ሉምምባ ኣይቀሰነን፣ ኵነታት ናይ'ተን ክልተ ዝተፈልያ ዞባታት መዕልቦ ኣይረኸበን።

ሉሙምባ ንድዋይት ኣይሰንኣወር፡ ፕረሲደንት ሕ.መ.ኣ.፡ ኣቤት በለ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ግን ንጻውዒቱ ነጸጎ። ተስፋ ብምቝራጽ ልሙምባ ናብ ሶቬት-ሕብረት ኣቕለበ፣ ጠለባቱ ኸኣ ኣቐረበ። መንግስቲ ሶቬት_ሕብረት ንጠለባት ሉሙምባ ብምምላእ መሳርያታት፡ ሎጂስቲካውን ንዋታውን ደገፋት ለገሰሉ። ምስኡ ኸኣ 1,000 ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ኣብ ኮንጎ ጥብ በሉ።

ኣባላት መንግስቲ ኮንጎ ካብ'ቶም ሉሙባ ዝወሰዶም ስጕምትታት ክርሕቁ ጀመሩ፣ ምናዳ ካሳ-ቩቡ፡ እቲ ፕረሲደንት ናይቲ ሃገር። እቲ ቅርጺ መንግስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተርን (ሉሙምባ) ፕረሲደንትን (ካሳ-ቩቡ) ዝተማእከለ ነበረ።

ኣመሪካውያን ምትእትታው ሶቬት ስለ ዘፍርሖም ዉዲት ክኣልሙ ጀመሩ። ንጊዜኡ ግን ሓይልታት ኮንጎ፡ ብሓይልታት ሶቬት ተሰንዮም ን ደቡብ ካሳይ፡ ሓንቲ ካብ'ተን ዝተፈልያ ዞባታት፡ ጐበጡ፣ ተዓወቱ ኸኣ። እቲ ዓወት ግን ኣያሳዕረረን - እቶም ወትሃደራት ብዕሌት ተፈላልዮም ንሓድሕዶም ክቓተሉ ጀመር።

ምዕራብ (ኣውራ ኣሜሪካን በልጅዩምን) ንሉሙምባ ንሶቬት-ሕብረት ስለ ዝዓደመ ጸመድዎ። ሞይስ ቾምበ (ናይ ካታንጋ መራሒ) ምስ ካሎንጂ (መራሒ ደቡብ ካሳይ) ኰይኖም ምስ ፕረሲደንት ካሳ ቩቡ ኣንጻር ሉሙምባ ዉዲት ኣለሙ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኸኣ ብወርሒ ነሓሰ 1960 ኣባላት ሲ.ኣይ.ኤይ. ንኮንጎ ልኢኻ ነቲ ኵነታት ከተጽንዕ ጀመረት። ሲ.ኣይ.ኤይ. ድማ "ኮንጎ ከም ክዩባ ዓሚል ሶቬት-ሕብረት ኰይና ኣብ ኣፍሪቃ ከተስፋሕፍሕ ኢያ" ኣብ ዚብል መደምደምታ በጽሑ።

ሽዑ እቲ ኵነታት ቀልጢፉ ክልወጥ ጀመረ። ፕረሲደንት ካሳ-ቩቡ ብመራኸቢ-ብዙሃን ንሉልምባ ኰነኖ፡ ካብ ስልጣን ኸኣ ሰጐጎ። ሉሙምባ ንከይምልስ እቲ መራኸቢ ብዙሃን ብ ሲ.ኣይ.ኤይ. ከም ዝዕጾ ተገብረ፣ ሉሙምባ ኸኣ ብውዲት መድርኽ ተነፈጎ፣ክልቲኦም ኣካላት ፓርላማ ግን ምስኡ ይዳናገጹ ነበሩ።

ሉሙምባ ነቲ ተቐናቓኒኡ ከይሰጕግ እኹል ደገፍ ካብ ፓርላማ ስለ ዘይረኸበ መንግስቲ ሓዲግ ኰነ። ነዚ ነቓዕ ኣብ ማዕዶ ዀይኑ ዝጸናጸን ዝነበረ ሞቡቱ ኣብ ማእከል ክኣቱ ከኣለ። ጸኒሑ ኸኣ ምስ ፕረሲደንት ካሳ-ቩቡ ጸግዒ ብምውሳድ ንሉሙምባ ናይ ቤት-ቈረኛ ገበሮ (ኣሰሮ)። ንካሳ-ቩቡ ማዕርግ ፕረሲደንት ሂቡ ናብ ቦትኡ መለሶ።

እቲ መንግስቲ ግን ምሉእ ቅሳነት ኣይረኸበን፣ ምስሕሓብ ነበሮ። ኣባላት ናይቲ ሉምምባ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞኦም ጀመሩ፡ ናይ ባዕላቶም መንግስቲ ኸኣ ኣቘሙ። ኣይጸንሑን ግን፡ ዋላ'ኳ ንማለቱ ናይ ሶቬት-ሕብረትን ቻይናን ደገፍ እንተ ነበሮም፡ ፋሕ-ፋሕ በሉ። ጸኒሑ መራሒኦም ዝነበረ ተኣስረ፣ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ሃሲሶም ተረፉ።

ሉሙምባኸ እንታይ ኰነ?

ሉሙምባ ካብ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ናይ ቤት-ቈረኛ ኣምሊጡ ናብ ምብራቕ ገጹ ናብ ስታንቪል ዝበሃል ቦታ ከደ። ወተሃደራት ሞቡቱ ግን ኣርኪቦም መሊሶም ኣሰርዎ። ሶቬት-ሕብረት ሉሙምባ ንክፍታሕ ንሕቡራት-ሃገራት ኣቤት በለት፣ ኵነታት ማእሰርቱ ኣብ ዓለም ተቓልሐ። ሕቡራት ሃገራት ግን ንይፈታሕ ዚብል ጻውዒት ሶቬት-ሕብረት ነጸጎ።

ሞቡት ኵነታት ጥዒሙሉ ንሉሙምባ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣረከቦ - ሞይስ ቾምበ (መራሒ ካታንጋ)። ኣብ ዕለት 17 ጥሪ 1961፡ ከምዛ መዓልቲ'ዚኣ፡ ሉሙምባ ብዘይ ፍርዲ ህይወቱ ኣብ ኤሊዛበትቪል ዝበሃል ቦታ ከም ትሓልፍ ተገብረ። ብህዝቢ ተመሪጹ ዝነበረ መራሒ ክነሱ ኣብ ስልጣን ንሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ክጸንሕ ከኣለ።

ታርኽ ሉሙምባ ማለት ታሪኽ ዉዲትን ጥልመትን'ዩ ክበሃል ይከኣል። ሉምምባ ሓደ ገስጋሲ ዝባህሪኡ፡ ፍጹም ናጽነት ሃገሩን ህዝቡን ዝደሊ ዝነበረ ተቓላሳይ ምንባሩ፡ ድሒሩ ኣብ ዓለምና ተቐባልነት ዝረኸበን ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ስምን ሃገራውነትን ዝልዓለ ናይ ሓጺር ዘበን መራሒ ነበረ።

ዓሚ ከምዚ እዋን፡ ጁልያና፡ እንኮ ጓሉ ንሉሙምባ፡ ብዛዕባ ኣቦኣ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ፡ "ኣቦይ ናጽነት ኮንጎን ሓርነት ህዝቢ ኮንጎን ጥራይ'ዩ ነይሩ ድልየቱ፣ ህዝቢ ማሕበራዊ ፍትሒ ምእንቲ ክረክብ" ኢላ ብኣስቈርቍሮ ትዛረብ።

"እቦይ ይፈትወኒ ስለ ዝነበረ ንስራሕ ምስኡ ሒዙኒ ክኸይድ ይዝከረኒ፣ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢለ ክሕልዎ ክውዕል ይዝከረኒ" ድሕሪ ምባል ልቢ ምስ ገበረት ኣቃትልኡ ምስ ፈለጠን ክሳብ ሎሚ ከምዘይትጻወሮ ትዛረብ።

ሎሚ ሉሙምባ ብክብርን ኣድናቖትን'ዩ ዝዝከር። ሓወልቱ ኣብ ኵሉ ይርከብ። ሞይስ ቾምበ ኸኣ ከም ሓደ ሽዩጥ።

ሕቡራት ሃገራት ደጋጊሞም ንዕሱባት ወትሃደራት በልጅዩም ካብ ካታንጋ ንክወጹ'ኳ ዉሳኔ ኣብ ልዕሊ ዉሳኔ እንተ ጸሓፉ ዉሳኔታቶም ፋይዳ ኣይተረኽቦን። ብ 1961 ማዕረ 20,000 ወትሃደራት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎ ነይሮም'ዮም። ኣብ ካታንጋ ዝካየድ ዝነበረ ዉግእ ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን።

ብዕለት 18 መስከረም 1961፡ ዳግ ሃመርሾልድ፡ ሽወደናዊ ዋና-ኣማሓዳሪ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጕዳይ ካታንጋ ክዓርቕ ኢሉ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቐሰ፣ ነፋሪቱ ወዲቓ ኣብኡ ሞተ።

ሕቡራት ሃገራት ብዉሳኔ 169 ኣቢላ ንጠለባት ሞይስ ቾምበ ብምንጻግ ንካታንጋ ከም ኣካል ኮንጎ (ሽዑ ዛየር) ብምቝጻር ኣህጕራዊ ጸቕጢ ገበረት - ሉሙምባ ምስ ሞተ። ብዕለት 1 ታሕሳስ ቾምበ ከይፈተወ ንሕብረት ኮንጎን ካታንጋን ብዕሊ ከም ዝፍርም ተገብረ። ቀስ-ብቐስ ከኣ ዕሱባት ወትሃደራት በልጅዩም ከም ዝስሕቡ ተገብረ። ኣብ ዓመቱ ኸኣ መንግስቲ በልጅዩም ንማእከላይ መንግስቲ ኮንጎ (ብሞቡቱ ዝምራሕ) ብዕሊ ከም ዝፈልጥ ተገብረ።

ኣብ በልጅዩም ብጕዳይ ቅትለት ሉሙምባ - በልጅዩም ኢድ ከም ዝነበራ - ብተደጋጋሚ ይልዓል ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጕዳይ ዘጻሪ ብ2001 ኮሚቴ ተፈጢሩ ኣጽንዖ፣ መንግስቲ በልጅዩም ብዕሊ ይቕሬታ ሓቲታ- "ሞራላዊ ሓላፍነተይ ስሒተ" ዘስምዕ ይቕሬታ።

ኣብ ቅትለት ሉሙምባ ሕ.መ.ኣ. ዝተጻወተቶ ተራ ነይሩዋ ዝብሉ ብዙሓት ምሁራት እንተሃለዉ'ኳ፡ እቲ ክሲ ግን ማህሚኑ ተሪፉ።

ንምዃኑ፡ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ብ 1 ሚያዝያ 1963፡ ድሕሪ ሞት ሉሙምባ ካብ ኮንጎ ጠቕሊሎም ይወጹ።

ሳዕቤን ቅልውላው ኮንጎ ኣብቲ ዞባ ስምብራት ገዲፉ'ዩ። ኣብ ኣንጎላ፡ ንኣብነት።