እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
2021 ካብ ዝኣቱ ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ኣትዮም
ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ክልል ትግራይ ዝመጽኡ ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተቐቢሉ ይምዝገብ ከምዘሎ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ሓድሽ ዓመት 2021 ካብ ዝኣትው ኣብ ሒደት መዓልታት ጥራይ ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ትግራይ ናብ ምብራቓዊ ሱዳን ከምዝሰገሩ ኣብ መግለጺ ጠቒሱ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ጎንጺ ድማ “ካብ መእተዊ ሕዳር ጀሚሩ ልዕሊ 66 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም” ኢሉ።
እቲ ጎንጺ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሕዳር ኣርባዕተ እዩ ጀሚሩ።
ብሰንኪ'ቲ ጎንጺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም ኣለው።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ከበድቲ ጸገማት ከምዘጋጠሞምን ከምዝረኣዩን ሒቢሮም ኢሉ።
“ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ጥቕዓት ከምዝበጽሖም፤ ኣብ ገዝኦም ዝተፈጸመ ዘመተ ሓዊሱ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘጋጠሞም፤ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ናብ ግዱድ ውትህድርና ይቃልዑ ከምዘለዉ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ጎራዙን ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት” ከምዘሎ ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ።
ስደተኛታት ብዘይካ ዝተወሰነ ቅያር ክዳውንቲ ዋላ ሓደ ነገር ሒዞም ይመጽኡ ከምዘየለዉ ዘመልከተ መግለጺ እቲ ትካል፤ “ምስ ከቢድ ድኻም፣ ድሕሪ ናይ መዓልታት ጉዕዞ እግሪ፡ ምስ ዝጎስቆለ ኣካላት” ይኣትዉ ምህላዎም ኣረዲኡ።
“ልዕሊ 30 ሚእታዊት ካብቶም ስደተኛታት ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ክኾኑ ከለዉ 5 ሚኢታዊት ድማ ልዕሊ 60 ዓመት ኣረጋውያን እዮም” ኢሉ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ስደተኛታን ሱዳንን ብሓባር ኮይኖም ብመንግስቲ ሱዳን እናተሓገዙ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ግዝኣት ገዳሪፍ ናብ ዝርከቡ መዓስከራት የግዕዝዎም ኣለዉ።
“መዓስከር ስደተኛታት ኡም ራቑባ ናብ ምምላእ ገጹ ስለዝኸደ ዩኤን ኤች ሲ ኣርን ካልኦት ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ኣካላትን ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ መቐበሊ ቦታ ናብ ሓድሽ መዓስከር ይወስድዎም ኣለዉ። እዚ ድማ ድሕነት ስደተኛታት ንምውሓስን ዝሓሸ ኩነታት ናብራ ንኽህልዎም ንምግባርን’ዩ” ይብል እቲ መግለጺ።
ካብ ሰንበት ጀሚሩ 580 ስደተኛታት ካብቲ ቪሌጅ 8 ብዝብል ዝፍለጥ መቐበሊ ስደተኛታት ናብቲ ካብ ከተማ ገዳሪፍ ኣስታት 136 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ክግዕዙ ዝተገበረ ኮይኑ ካብቲ ኣብ ሓምዳይት ዘሎ መቐበሊ ድማ ኣብዚ ሰሙን ከግዕዝዎም ከምዝጅመሩ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ ብምህላዉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፣ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዘቕርብዎ ሰብኣዊ ሓገዛት መጠኑ ክውስኽ ይጽዕሩ ምህላዎም እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብ ምብራቅ ሱዳን ዳይሬክተር ፈጣን ምላሽ ሓደጋታት፡ ኢንተርናሽናል ረስኪው ኮሚቴ፡ ካሮላይን ካናይዛ፤ ብፍላይ ስደተኛታት ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ፍሉይ ድጋፍ ከምዘድልዮም'ቲ ኮሚቴ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢራ።
"ምስዚ ቅልውላው ተኣሳሲሩ፡ እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል፡ ኩነታት ካብ ስደረኦም ተፈልዮም ዝተሰደዱ ብዙሓት ህጻናት ዝምልከት እዩ። ዳርጋ ፍርቂ ናይዞም ስደተኛታት ህጻናት እዮም" ኢላ።
ጥቕዓት ዝበጽሐንን ብስነኣእምሮ ዝተጎድኣን ስደተኛ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ዓብዪ ድጋፍን ክትትልን ከምዘድልየን ሓቢራ።
ኣብ ክልል ትግራይ ጎንጺ ኣሎዶ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኩናት ኣብቂዑ እዩ ኢሉ ዝኣወጀ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ትግራይ ገና ጎንጺ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተስዓሩን፡ እቲ ውግእ ከምዘብቀዐን ኣዊጁ ነይሩ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ'ውን "ኣብ ትግራይ ኩናት ኣሎ ዝብል ፍጹም ሓሶት እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ብመንግስቲ ፌደራል ዝቖመ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ገለ ከተማታት ትግራይ ምሕደራ ምዝርጋሕ ጀሚሩ'ሎ።
ኣብ ከተማ መቐለን ገለ ካልኦት ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዝርከብ ቦታታትን ኣገልግሎት ቴሌፎን ክሰርሕ ጀሚሩ'ሎ።
እንተኾነ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ትግራይ ሕጂ'ውን መራኸብታት ተዓጽዩ ብምህላዉ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይርዎ'ሎ።
ኣብ ባይታ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ ዝብል ንምጽራይ'ውን ዓንቃፊ ኮይኑ'ሎ።
ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ናብ ክልል ትግራይ እዩ ኣንሳሒቡ ጸኒሑ።