መንበሪ ገዛውቲ 2 መራሕቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ መጥቃዕቲ በጺሕዎ

መንበሪ ገዛውቲ ፡ ኣፈ ጉባኤ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲን መራሒ ዓብላሊ ውድብ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ሚች ማኮኔልን፡ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነዎ ተዘሪቡ።

ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፔሎሲ፡ ክሳዱ ዝተቖርጸ ሓሰማን ደም ዝመስል ቀለምን ፈሲሱ ዝተረኽበ ኾይኑ፡ ግድግዳ እቲ መንደቕ ብዝተፈላለዩ ጽሑፋት ተባላሽዩ ተረኺቡ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ግዝኣት ኬንተኪ ዝርከብ መንበሪ ገዛ መራሒ ኣባላት ሪፓብሊካን ማኮኔል ፡ ኣብ ግድግዳ መንደቕ 'ገንዘበይ ኣበይ ኣትዩ' ዝብል ጽሑፍ ተጠቒዑዎ ተረኺቡ።

ኣብ መንበሪ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ዝተኸሰተ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጓነፈ ጸገም ንምቕራፍ፡ ኣብ ዝቐረበ ናይ ገንዘብ ድጋፍ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ምስ ኣጓነፈ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ብሰልፊ ዲሞክራትስ ዝዕብለል ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር፡ ብናይ ልዕሊ 40 ኣባላት ሪፐብሊካን ድጋፍ ረኺቡ፡ በቲ ለበዳ ንዝተጎድኡ ዝወሃብ 600 ዶላር ናብ ክልተ ሽሕ ሓፍ ክብል ተወሲኑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ከጽድቕዎ እንተሓተተ'ኳ፡ እቲ ብሪፐብሊካን ዝዕብለል ሕጊ ዘውጽእ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት [ሰኔት]፡ እዚ ልዑል ገንዘብ ዝሓትት ወጻኢ ከይተቐበሎ ተሪፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሚች ማኮኔል ከምዝበሎ፡ እዚ ብልቓሕ ዝርከብ ገንዘብ፡ እዚ ድጋፍ ዘየድልዮም፡ ናይ ዲሞክራት ፈተውቲ ስለዝኾኑ ጥራሕ፡ እዚ ገንዘብ ንክረኽቡ ዝግበር ጽዕንቶ ኣይንቕበልን ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ገዝኡ መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ ድማ፡ "እዚ ካልእ ጉዳይ እዩ" ክብል ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ፡ "ንብረት ብምዕናውን ጉድኣት ብምጻሕን ንምፍርራሕ ዝግበር ፖሊቲካ ኣብ ማሕበረሰብና ቦታ ክህልዎ የብሉን" ኢሉ።

ፖሊስ ፍራንሲስኮ ብወገኑ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ እታ ኣፈጉባኤ ዝተገብረ መጥቃዕቲ እናመርመረ እንትኸውን፡ ፔሎሲ ዛጊድ፡ መግለጺ ርእይቶ ኣይሃበትሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ እዋን ዘመነ ትራምፕ ኣጋጢሙ ብዘይፈልጥ መገዲ እዩ እቲ ረቂቕ ሕጊ ውድቂ ኮይኑ ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ንቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝተመርጹ ኣባላት ኮንግረስ ሎሚ ቃለ መሓላ ክፍጽሙ አዮም ተባሂሉ።