67 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 130 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም

130 ስደተኛታት ዝሓዘ ሓሙሻይ ገጽ ምውጻእ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተኻይድ።

እቶም ስደተኛታት ኩሉ መስርሓት ምውሻብ ናይ ኮሮናቫይረስ ምስ ዛዘሙ ናብቶም ኣቐዲሞም ካብ ሊብያ ዝተመለሱ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ተዓቒበምሉ ዘለዉ ኣብ ዞባ ቡሰግራ ዝርከብ ጋሾራ ዝብሃል ቦታ ክሕወሱ ምኻኖም ሚኒሰትሪ ሓደጋታት ርዋንዳ ብትዊተር ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ሊብያ ዝተመለሱ ስደተኛታት ኣብዚ እዋን መስርሓት ውሸባ ኮሮናቫይረስ ንኸማልኡ ኣብ ሆቴል ከምዝርከቡ እቲ ሚኒሰትሪ ኣፍሊጡ።

ካብዞም ስደተኛታት እቶም 67 ኤርትራውያን፡ 48 ሱዳናውያን፡ 12 ሶማልያውያን፡ 3 ናይጀርያውያንን 1 ኢትዮጵያውን እዮም።

ካብዚኦም እቶም 75% ደቂ ተባዕትዮ 25% ደቂ ኣንስትዮ ኮይኖም: 27 ካብኦም ህጻናት ምኳኖም'ውን እቲ ሚኒሰትሪ ገሊጹ።

እዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ናይ ምውጻእ መስርሕ ብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም 2019 ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

መንግስቲ ርዋንዳ 500 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹኡ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክቅበል'ዩ ኣብቲ ስምምዕ ከቲሙ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሊብያ ኣብ መጀመርታ ገጽ ኣብ 27 መስከረም 2019፡ 66 ሽደተኛታት ተቐቢላ።

ኣብ 11 ጥቅምቲ 2019 እውን 106 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ኣውጺኣ።

ኣብ 25 ሕዳር 2019 ኸኣ 117 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብምውጻእ ናብቲ ካብ ከተማ ኪጋሊ ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ጎሾራ ዝብሃል ቦታ ኣእትያቶም።

ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናይ ምውጻእ መስርሕ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ዕጡቓትን ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ እታ ሃገርን ብዝካየድ ዘሎ ኵናት ተሰናኺሉ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ዳግማይ ተጀሚሩ ዘሎ።