እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቖጻጻሪ ኣቭየሽን ኤውሮጳ፡ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ውሑሳት እየን ኢሉ
ሓላፊ ትካል ውሕስነት ኣቭየሽን ኤውሮጳ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ነፈርቲ 'ቦይንግ 737 ማክስ' ሕጂ ንበረራ ውሑሳት ኮይነን ኣለዋ ኢሉ።
ፓትሪክ ካይ ከምዝበሎ፡ ትካሉ ነተን ነፈርቲ ብዕምቆት ከምዝገምገመ እዩ ገሊጹ።
ነፈርቲ 'ቦይንግ 737 ማክስ' ካብ መጋቢት 2019 ጀሚረን ካብ በረራ ተኣጊደን ምጽንሐን ዝዝከር እዩ።
እዚ ድማ፡ በዘን ዓይነት ነፈርቲ ክልተ ሓደጋታት ብምግጣሙን፡ 346 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን እዩ ነይሩ።
'ቦይንግ 737 ማክስ' ነፈርቲ ኣብ ኣመሪካን ብራዚልን ዳግም ናብ በረራ ክምለሳ ከምዝተፈቐደለን ይፍለጥ።
ሕጂ ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ካብ መፋርቕ ጥሪ ጀሚሩ ዳግም በረራ ክጅምራ፡ እቲ ንድሕነት ኣቭየሽን ኤውሮጳ ዝቆጻጸር ትካል ከፍቅደለን ትጽቢት ኣሎ።
በዘን ነፈርቲ ዘጋጠመ ፈላማይ ሓደጋ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ብ 'ላየን ኤር' እትውነን ነፋሪት ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኢንዶኒዥያ ምውዳቓ ይዝከር።
ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ፡ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ብዙሕ ከይጸንሐት ምውዳቓ ይፍለጥ።
ክልቲኡ ሓደጋታት ድማ፡ ብምኽንያት ኣብ ናይ'ታ ነፋሪት ናይ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ብዘጋጠመ ጸገም ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊጹ እዩ።
እታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ እቲ ንድሕነት ኣቭየሽን ኤውሮጳ ዝቆጻጸር ትካል፡ ነዘን ዓይነት ነፈርቲ ብዕምቆት ክግምግመንን ከጽነዐንን እዩ ጸኒሑ።
ትካል ውሕስነት ኣቭየሽን ኣመሪካ'ውን ብወገኑ ናይ ባዕለ ተመሳሳሊ መስርሕ ከካየድ ጸኒሑ እዩ።