ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ብሓደጋ መኪና ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮኾብ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሞጀካ ማዲሻ፡ ኣብ ከተማ ከተማ ጆሃንስበርግ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና ህይወቱ ሓሊፋ።
ወዲ 25 ዓመት ማዲሻ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ፕሪምየርሊግ ንእትሳተፍ ጋንታ ‘ማሜሎዲ ሰንዳውንስ’ን ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ይጻወት ነይሩ።
ሰባት ካብታ ሓደጋ ዘጋጠማን ትነድድ ዝነበረትን መኪና ህይወቱ ከይሓለፈት ከላ እንተውጽእዎ’ኳ፤ ክተርፍ ግን ኣይከኣለን ኢሉ ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ስሙ ዘይተገለጸ ሓደ ሓላፊ ጋንታ ሰንዳውንስ።
ኣብ ውሽጢ’ታ መኪና ዝነበረ ካልእ ሰብ እውን ከምዝሞተ ጸብጻብ ማእኸናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ የመልክት።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ (ባፋና ባፋና) ሞለፊ ንጸኪ፡ እቲ ተጻዋቲ በቲ ዘጋጠመ “ዘሰንብድ” ሓደጋ ህይወቱ ምሕላፉ ከምዝሰንበዶ ገሊጹ።
“ጽቡቕ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ዓባዪ ኮኾብ ነይሩ” ክብል ተዛሪቡ።
ብተደጋጋሚ ካብ ሞንጎ ተመረጽቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ማዲሻ፡ ኣብ ጋንትኡ ሰንዳውን ድማ ብቐዳምነት ዝስራዕ ተጻዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ነይሩ።
ጋንትኡ ድማ ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምውሳድ ጽቡቕ ዝና ኣለዋ።
መንቀሊ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ዛጊድ ከምዘይተፈለጠ ዝሓበረ ኣባል ኣገልግሎት እዋን ሓደጋ ዊልያም ትላዲ፡ “እቲ ዘዋሪ ነታ መኪና ምቁጽጻር ከምዝተሰኣኖን ከምዝተጋጨወን ብድሕሪኡ ድማ ብሓዊ ከምዝተቓጸለት ግን ክነረጋግጽ ንኽእል ኢና” ምባሉ ‘ኣይዊትነስ’ ዝተብሃለት ናይ ዜና ዌብሳይት ሓቢራ።
ጋንታ ሰንዳውን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ተጻወትቲ ክፍሊ ምክልኻል ብሓደጋ መኪና ክትስእን ከላ ማዲሻ ካልኣይ ሰብ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ 23 ሕዳር 2020 ብሓደጋ መኪና ዝሞተ ኣኔለ ግኮንጋ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ’ዩ ስርዓተ ቀብሩ ተፈጺሙ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







