እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቆልዑ ክልተ ዓመት እንከለዉ፡ ንፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ዝዳለው ኮርያውያን
ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ተምሃሮ ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሰቲ ይወስዱ።
እዚ ፈተና ኣዝዩ ከቢድን መጨነቕን ከም ዝኾነ ይዝረብ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ንጭንቀት እቶም ተምሃሮ ካልእ ጸቕጢ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ፈተና፡ ‘ኮሌጅ ኤቢሊቲ ቴስት’ ወይ’ውን ሰንኣግ ይብሉዎ። ሸሞንተ ሰዓታት እዩ ዝወስድ።
ኣብ ሽዱሽተ ክፍልታት ዝወሃብ ናይ ኮርያ ቋንቋ፣ ሒሳብ፣ ኢንግሊዝኛ፣ ታሪኽን ማሕበራዊ ሳይንስን ዘጠቓለለ ፈተና’ዩ።
እቶም ተመሃሮ፡ ኣብየናይ ክፍሊ ትምህርቲ ከም ዝምደቡን ናበየናይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝውዝዑን በዚ ፈተና ይውሰን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቶም ተመሃሮ ጥራይ ዘይኮኑስ ወለዲ’ውን ነዚ ፈተና ዝህቡዎ ቖላሕታ ልዑል’ዩ።
ካብ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ምድላው ዝግበረሉ ፈተና
እዚ ፈተና ክጅመር እንከሎ ሃገር ብምልእታ ኣፋ ከፊታ ብትኹረት እያ ትከታተሎ።
ብድምጺ ዝተሓገዘ ፈተና ክወሃብ እንከሎ፣ ተመሃሮ ከይርበሹ ብዝብል ከባብያዊ ጸጥታ ዘኽብሩ ሰብ ሞያ ይዋፈሩ።
ወለዲ ደቆም ናብቲ ፈተና ዝወሃበሉ ቦታ ክሳብ ዘብጽሑ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘንጊዖም ይኽፈቱ።
ወተሃደራዊ ስልጠና ደው ይብል፤ ዕዳጋ ኣክሲዮን’ውን ካብ’ቲ ልሙድ ዘንጊዑ እዩ ዝጅመር።
ወለዲ፡ ደቆም ነዚ ፈተና ክዳለው ዝገብሩ ገና ህጻናት እንከለው ኣትሒዙ’ዩ።
መብዛሕትኦም ቆልዑ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኖም፤ ገሊኦም ድማ ገና ቖልዑ ክልተ ዓመት እንከለው ነዚ ፈተና ክዳለው ይግበር።
ደቡብ ኮርያ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ከቢድ ጸቕጢ ካብ ዘየሕደረለን ሃገራት ሓንቲ እያ።
ክሳብ ሕጂ 35 ሽሕ ዜጋታት ጥራይ’ዮም በቲ ቫይረስ ሞይቶም። ካልኦት ልዕሊ 500 ድማ ሞይቶም።
ናይ’ዚ ዓመት ተፈተንቲ፡ በዚ ሕማም ንከይልከፉ መንግስቲ ልዑል ጥንቃቐ ገይሩ’ዩ።
እቶም ንፈተና ዝቐርቡ ተምሃሮ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ግድን’ዩ። እቶም ወናብር ከኣ ብፕላስቲክ ተጋሪዶም ክፈላለዩ ይግበር።
ናብ’ቲ መፈተኒ ቦታ ቅድሚ ምእታዎም ናይ ሰብነቶም መጠን ዋዒ ስለ ዝዕቀን፡ ረስኒ ዘለዎም ንበይኖም ተፈልዮም’ዮም ዝፍተኑ።
ተፈተንቲ፡ መግብን ማይን ሒዞም ክመጽኡ ይግባእ።
ኣብ ናይ ዕረፍቲ ሰዓቶም ከውግዑ ፍጹም ክልኩል’ዩ።
ተምሃሮ እዚ ኹሉ ጸቕጢ ከይፈጥረሎም ይሰግኡ፤ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንርእሱ ትኹረቶም ዝሰርቆም ዝመስሎም ብዙሓት’ዮም።
ሓንቲ ተመሃሪት ንቢቢሲ ኮርያ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን “ትኹረተይ ዝሰርቀኒ’ዩ ዝመስለኒ” ኢላ።
እዛ ጓል 18 ዓመት ኦ ይዎን ጁ “ኣብቲ ናይ ፈተና መዓልቲ ረስኒ ከም ዝውስኽ ሰሚዐ’የ። እቲ ማስክ’ውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዐኒ ኣይገብርን” ኢላ።
እቶም ወናብር ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ ምዃኖም’ውን ንብዙሓት ተምሃሮ ስግኣት ፈጢሩሎም’ዩ።
“ኣብቶም ብፕላስቲክ ተሸፊኖም ዝተረሓሓቑ ወናብር ኾይንና ናይ ፈተነ ፈተና ወሲድና ነይርና። እቲ ወንበር ጸቢቡኒ፤ እቲ ፕላስቲክ ከኣ ናብ ርእሰይ ወዲቑ ነይሩ፤ ተጨኒቐ። መሓዙተይ’ውን ጨኒቑዎም’ዩ” ክትብል ስግኣታ ትገልጽ ጓል 18 ዓመት ሊ ሳንግ ዎት።
ንሳ፡ ዓበይቲ ወረቓቕቲ እትግንጽለሉ እኹል ቦታ እኳ ከምዘይትረክብ እያ ትዛረብ።
መንግስቲ ኣሎ ድዩ?
ፕሬዝደንት ሙን ጄይ ኢን፡ ተምሃሮ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ነዚ ፈተና ክወስዱ ስለ ዝተገደዱ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ይኹን’ምበር፡ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዘይ ዝኾነ ጸገም መረጻ ከም ዘካየደት ይዝከር። እዚ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ፈተና ዝወሃበሉ ግዜ ዝድገም ዓወት ከም ዝኾነ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር እምነት ኣለዎም።
እዚ ፈተና፡ ህይወት ናይ’ቶም ተመሃሮ ዝቕይር ስለ ዝኾነ ክሰጋገር ኣይኽእልን እዩ ዝብሃል።
“መላእ ዓለም ነዚ ፈተና እዩ ዝከታተል ዘሎ” ዝበለ እቲ ፕሬዝደንት፡ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ከም ዝዛዘም ተዛሪቡ።
ብዙሓት ሃገራት፡ ብምኽንያት እዚ ለበዳ፡ ሃገራዊ ፈተና ዝወሃበሉ መዓልቲ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ገይረን እየን።
ቅርታ ዘልዓሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ደቡብ ኮርያ’ውን ኣለው።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርያ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ፕሮፌሰር ኪም ውጁ፡ “490 ሽሕ ተፈተንቲ ኣለውና። 23 ሽሕ ሰባት ከኣ ተቖጻጸርቲ እዚ ፈተና’ዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወለዲ ደቆም ነዚ ፈተና ንክሓልፉ ናብ ቤተ እምነት ከይዶም ይጽልዩ” ክብል እዚ ፈተና ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ገሊጹ።