ኤርትራውያንን ተጋሩን ነበርቲ ኖርወይ ኣንጻር ኵናት ሰልፊ ኣካይዶም

ትማሊ ዓርቢ 27 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ኤርትራውያንን ተጋሩን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ተሳተፍቲ፡ እቲ ብ04 ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረን ድሮ ኣሽሓት ሰላማዊ ህዝቢ ኣመዛቢሉ ዘሎ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዝገበረ ኩናት ዝኸፍአ ሞትን ህልቂትን ከየኸተለ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዐም።

እቶም ኵናት ደው ንክብል ዝጽውዕ ጭርሖታትን ባንዴራን ዝሓዙ ሰልፈኛታት፡ ኵናት ሞትን ህልቂትን ዘኸትል ኣዕናዊ ተግባር ብምዃኑ ብዝቐልጠፈ ደው ክብልን ዝኾነ ይኹን ፍልልያት ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ጠሊቦም።

ኣብታ ዝነብሩላ ከተማ ኖርወይ ናይ ሰላም ሽልማት ዝተቐበለ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን " ብህጹጽ ኩናት ደው ኢሉ ዘተ ሰላም ክጅመር" ንዝብል ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ክቕበል ኣተሓሳሲቦም።

"ዝኾነ ፖለቲካዊ ፍልልይ ብዘተ እምበር ብኩናት ኣይፍታሕን እዩ" ዝበለት ነባሪት ሃገረ ኖርወይ ትብለጽ ሃይለ፡ "ኣብዚ ኣዕናውን ቀዛፍን ኩናት ዝመውት እቲ ወዲ ድኻ ሓረስታይን ብምዃኑ ዝያዳ ዘሕዝን እዩ" ትብል።

ተኪኤ ብርሃነ ብወገኑ፡ "ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ከኣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀጻሊ ኩናትን ህውከትን ዝጸንሓ ድኻታት ሃገራት ክንሰን ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኵናት ብምውልዑ ነቲ ድኽነትን ሕሰምን መሊሱ ዘጋድድ እዩ" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ዘልኣለም ብድምጺ ቦምባን ጥይትን ክርበሽ ዝነብር ዘሕዝን ዞባ ብምዃኑ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተርኡ ክጻወት ይግባእ ክብል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ሳልሳይ ሰሙን ገይሩ ከምዘሎን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተላዚቡ ነቲ ጎንጺ ፍታሕ ክረኽበሉ ይጠልቡ ኣለው።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣማኢት ዝግመቱ ከምዝሞቱ ክግለጽ ከሎ፡ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣለው።

ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩናት ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደራዕ ይርእዩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።

ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።

ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።