እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀጠር፡ መንነት ስድራ ናይታ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተደርቢያ ዝተረኸበት ህጻን ተፈሊጡ
ቀጠር (ኳታር) ስድራ ናይታ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ሽቓቕ መገዲ ኣየር ዶሃ ተደርቢያ ዝተረኸበት ህጻን መንነቶም ከም ዝፈለጠት ገሊጻ።
ኣደ ናይታ ህጻን እስያዊት ከም ዝኾነት ድማ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።
እታ ህጻን ኣብ ሽቓቕ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ መእከቢ ጓሓፍ'ያ ተረኺባ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ፖሊስ መንነት እቶም ስድራ ንምፍላጥ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ምስ ዲፕሎማሰኛታት ኣውስትራልያ ናብ ወጥሪ ኣትዩ ምንባሩ ይግለጽ።
ናይዚ ምኽንያት ከኣ ዜጋታት ኣወስትራልያ ዝርከብአን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብኣስገዳድ ምርመራ ስለ ዝተገበረለን እዩ።
ብዘይካ ኣውስትራልያውያን ደቂ ኣንስትዮ ተጓዓዝቲ፡ ብሪጣንያውያንን ኒውዚላንዳውያንም እውን ግዳያት ተመሳሳሊ ምርመራ ብምዃን ከም ዝተጉላእልኣ ቅሬታ ኣስሚዐን ነይረን።
እዚ 'ብዘይኣግባብ ዝተኻየደ' ተባሂሉ ዝተኾነነ መርመራ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ነፈርቲ ኣብ ዝነበራ ተጓዓዝቲ ተኻይዱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ግዜ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ምውላደንን ዘይምውላደንን ዘረጋግጽ ምርመራ ከካይዳ እየን ተገዲደን።
ብድሕሪ ንሰሙናት ዝቐጸለ ምርመራ ከኣ ዓቃቢ ሕጊ ቀጠር፡ ነታ ህጻን ኣብ ሸቓቕ ደርቢያታ ዝኸደት ኣደ ሓንቲ ዜጋ እስያዊት ሃገር ከም ዝኾነት ኣረጋጊጸለኹ ኢሉ'ሎ።
ብዲኤንኤ ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ኣቦ ናይታ ኣብ ፌስታል ተጠቕሊላ ዝተደርበየት ህጻን እስያዊ መቦቆል ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
እታ ቖልዓ ኣብ ዝተረኸበትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተጓዓዝቲ ኣድላዪ ዘይኮነ ምርመራ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን እውን ክሲ ከም ዝተመስረተ ዓቃቢ ሕጊ ሓቢሩ።
እታ ኣደ እስያዊት ከም ዝኾነት እምበር ናይ ኣየነይቲ ሃገር ዜጋ ከምዝኾነት ዘይገለጸ ዓቃቢ ሕጊ ቀጠር፡ እታ ኣደ ኣሕሊፍካ ንክትወሃቦ ሕቶ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።
ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝጽበያ'ውን ይግለጽ ኣሎ።
እታ ህጻን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰብመዚ ቀጠር (ኳታር) ክንክን ይግበረላ ኣሎ።