ህቡብ ጸሓፊ ኒው ዮርከር ኣብ ኣኼባ 'ዙም'፡ ቪድዮ ብምፍናው ካብ ስርሑ ተባሪሩ

ኣሜሪካዊ ተንታኒ ሕጊ ጀፍሪ ቱቢን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቱቢን ንኣባላት ስድራቤቱ፡ የዕሩኽቱን መሳርሕቱን ይቕሬታ ሓቲቱ

ብማንዛ ብመንገዲ ‘ዙም’ ዝበሃል መተግበሪ ኣብ ኣኼባ ናይ ኣባላት ዝሳተፍ ዝነበረ ህቡብ ጸሓፊ መጽሄት ኒው ዮርከር፡ ብስሕተት ካሜራ ከፊቱ ብዝፈጸሞ ተግባር ካብ ስርሑ ተባሪሩ።

ምስ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን’ውን ከም ላዕለዋይ ተንታኒ ሕጊ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ወዲ 60 ዓመት ጀፍሪ ቱቢን፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ካብ ስርሑ ምብራሩ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብወናኒት ኒው ዮርከር ዝኾነት ትካል ኮንደ ናስት ዝተጽሓፈ ኢመይል “ናይ ቦታ ስራሕ ጉዳያት ብዕቱብ ከም እንርእዮ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ።

ቱቢን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ መዝነቱ ምስ ተባረረ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ካሜራ ተኸፊታ ምንባራ ከም ዘየስተውዓለ ተዛሪቡ።

እቲ ነቲ ዜና ፈለማ ዝጸብጸበ ማእከን ዜና ቫይስ፡ ኣብቲ ኣኼባ ናይ ‘ዙም’ ምስ ቱቢን ዝነበሩ መሳርሕቱ ግብረሕቡእ እናፈጸመ፡ ከም ዝረኣይዎ ገሊጹ።

ሓላፊ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ ትካል ኮንደ ናስት፡ ስታን ዱንካን፡ ንኣባላቱ ኣብ ዝጸሓፎ መዘኻኸሪ፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ውሽጣዊ መርመራ ቱቢን “ደጊም ኣባልና ኣይኮነን” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “ነፍሲ ወከፍ ክብሪ ከም ዘለዎ ዝፈልጠሉን መትከላትና ዝኽበረሉን ሃዋሁው ንምዕቃብ ዓቲብና ንሰርሓሉ እዩ” ኢሉ።

እቲ ፍጻመ 15 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ቱቢን ሽዑ ንሽዑ እዩ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

ንሱ ንቫይስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ካሜራ ተኸፊቱ ከም ዘሎ ብዘይምስትውዓል፡ ዘሕፍር፡ ናይ ዕሽነት ጌጋ እየ ፈጺመ” ብምባል ንኣባላት ስድራቤቱ፡ የዕሩኽቱን መሳርሕቱን ይቕሬታ ሓቲቱ።

“ይርአ የለኹን ኢለ እየ ሓሲበ፤ ነቲ ቪድዮ ዓጽየዮ ዘለኹ እዩ መሲሉኒ” ኢሉ።

ቫይስ ንኽልተ ኣብቲ ኣኼባ ናይ ዙም ዝነበሩ ሰባት ብምዝርራብ ቱቢን፡ ነቲ ተግባር ክፍጽም ከም ዝረኣይዎ ኣረጋጊጹ።