እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን፡ ትራምፕ ውጽኢት መረጻ ኣይቀበልን ምባሉ ‘‘ ዘሕፍር እዩ’’
ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ውጽኢት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ ኣይቅበልን ምባሉ ‘‘ዘሕፍር እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ድሮ ምስ መራሕቲ ሃገራት ርክብ ጀሚሩ ዘሎ ሓዱሽ ተመራጺ ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ካብ ምዃን ዝዓግቶ ከምዘየለ ተዛሪቡ፡፡
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ነቲ ኩለን ሚድያታት ከምዝተስዓረሉ ዝጸብጸበኦ መረጻ፡ ክዕወተሉ ምዃኑ ብትዊተር ሓቢሩ፡፡
ከምቲ በቢኣርባዕተ ዓመቱ ዝግበር፡ ሚድያታት ኣመሪካ እየን ነቲ ፕረዚደንታዊ ውጽኢት ገሚተነኦ፡፡
ናይ ሕድሕድ ግዝኣታት ውጽኢት ኣይተረጋገጸን፤ ቆጸራ ድምጺ ድማ ይቕጽል ኣሎ፤ እቲ ቁርጺ ውጽኢት ድማ ዝመጽእ 14 ታሕሳስ ኢለክቶራል ኮሌጅ ዕላዊ ክገብሮ እዩ፡፡
ጆ ባይደን እንታይ ተዛሪቡ?
ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ውጽኢት ኣይቅበልን ምባሉ፡ እንታይ ስምዒት ከምዝፈጠረሉ ሓደ ጋዜጠኛ ትማሊ ሓቲትዎ፡፡
‘‘ሓቂ ዘረባ፡ ዘሕፍር ይመስለኒ’’ ክብል ዝመለሰ ባይደን፡ ንሽም እቲ ፕረዚደንት ጽቡቕ ከምዘይኮነ ገሊጹ፡፡
ነታ መንበረ ስልጣኑ ዝርከበላ 20 ጥሪ ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ቀረባ መዕለቢ ዝረክብ ምዃኑ ተዛሪቡ፡፡
ስርሑ ንጅርማር ዝሸባሸብ ዘሎ ጆ ባይደን፡ ምስ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብቴሌፎን እናተራኸበ እዩ፡፡
ትማሊ ምስ መራሕቲ ሃገራት ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድ፣ፈረንሳን ጀርመንን ሓዊሱ ብቴሌፎን ዝተዘራረበ ጆ ባይደን፡ ‘‘ ኣመሪካ ከምዝተመለሰት እየ ዘፍልጦም ዘለኹ፤ ናብቲ ጸወታ ክንምለስ ኢና’’ ኢሉ፡፡
ኮይኑ ግና ብትራምፕ ዝተመዘዙ ገለ ኣካላት መንግስቲ ነቲ ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ዝጽበይዎ ዘለዉ ርኽክብ ስልጣን ንምትዕንቓፍ ይፍትኑ ኣለዉ፡፡
ምምሕዳር ጠቕላላ ኣገልግሎት፡ ነቲ ዝመጽእ ሓድሽ ምምሕዳር ገንዘብ ናይ ምድላውን፡ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ምምሕዳር ናይ ምምችቻውን ስራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ኮይኑ ግና ብወግዒ ንጆባይደን ከም ሓድሽ ፕረዚደንት ኣይተቐበሎን፡፡
ባይድንን ካማላን ግን ዘጓትት ነገር ከምዘየለ ይገልጹ፡፡
ትራምፕን ደገፍቱን እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ?
ትማሊ፡ ኣብ ቆጸራ ድምጺ ምጭብርባር ከምዝነበረ ኣብ ትዊተር ዝገለጸ ትራምፕ፡ ‘‘ክንዕወት ኢና’’ ብምባል ጨሪሑ፡፡
ባይደን ብናይ ምርጫ ብልሽውና ከምዝተዓወተ እዩ ትራምፕ ዝኸስስ፤ እንተኾነ ዘቕርቦ መረዳእታ ግን የብሉን፡፡
ተኣማኒ ትራምፕ ዝኾነ ማይክ ፖምፒዮ ብተመሳሳሊ፡ ‘‘ሕጋዊ’’ ድምጺ ምስተቖጸረ ‘‘ ካልኣይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ’’ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ተዛሪቡ፡፡
መብዛሕተዞም ኣባላት ሪፐብሊካን እውን ን ጆ ባይደን እንኳዕ ደስ በለካ ካብ ምባል ተቖጢቦም ኣለዉ፡፡