ሕብረት ኣውሮጳ: "እቲ ጎንጺ ብቕልጡፍ እንተዘይተፈቲሑ ንኢትዮጵያ ኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ'ዩ"

ኣባል ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ

ላዕለዋይ ተወካልን ምክትል ፕረዚደንትን ሕብረት ኣውሮጳ ዮሴፍ ቦረል፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ምክትል ሓላፊ ኣብዚ ትማሊ ዘውጸኦ ተሪር መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ኲናት ደው ንኽብልን ኣብ ክንድኡ ሰላማዊ ዝርርብ ክጅመርን ጻዕሪ እናገበረ ከምዝቐነየ ገሊጹ።

ንሱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ “እቲ ወጥሪ [ጎንጺ] ብቕልጡፍ እንተዘይተፈቲሑ ንኢትዮጵያ ኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ'ዩ"” ዝብል ናይቲ ሕብረት ስክፋትን ቅዋም ከምዝገለጸሉ’ውን ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ዝጀመሮ ‘ወፍሪ ኲናት’ ከይተዛዘመ ንዘተ ቅሩብ ከምዘይኮነ እናገለጸ እንትኸውን፡ ምስ ተወካሊ’ቲ ሕብረት ኣብ ዝገበሮ ዘተ እንታይ ከምዝበለ ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ፡ እቲ ተወካሊ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ካልኦት ኣካላት ብፍላይ ድማ ምስ ኢጋድ ኮነ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓባር ብምዃን ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ናብ ዝርርብ ንምእታው ኣድላይ ዝበሃል ድጋፍ ከምዝገብር ገሊጽሉ እዩ ክብል ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ።

እቲ ምክትል ሓላፊ፡ ምስ ኣቦ መንበር በይነ-መንግስታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ [ኢጋድ] ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ኣብደላ ሓምዶክን ምስ ኣብ ሞንበር ሕብረት ኣፍሪቃን’ውን ከምዝተዘራረበሉ ኣፍሊጡ።

“ናይቲ ዞባ ምርግጋዕ ንሕብረት ኣውሮጳ ኣዝዩ ዘገድሶ እዩ” ምስ በለ፡ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት’ውን ይዘራረብ ከምዘሎን ከምዝቕጽለሉን ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ፌዴራልን ክልል ትግራይን፡ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዝጅመር ሻድሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣብ መላእ ሃገር ኲናት ሕድሕድ ከስዕብ ከምዝኽእል ብምስጋእ እቲ ጸገም ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ዝተጀመረ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር’ ዝበሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝቕጽለሉ እዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ፌዴራል ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተቖጻጸሩ ከምዝኾነ እዮም ብሚድያ ዝገልጹ፡ ካብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ‘ሕሶት’ እዩ ካብ ምባል ወጸኢ ዝተውሃበ ሓሬታ የለን።