ታንዛንያ፡ ተጭበርቢሩ’ዩ ኣብ ዝብሃል መረጻ ታንዛኒያ ፕሬዝደንት ማጉፉሊ ተዓዊቱ

ኩሎም ተቓወምቲ ተጭበርቢሩ'ዩ ኣብ ዝበሉዎ መረጻ ታንዛኒያ ፕሬዝደንት ጆን ማጉፉሊ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ።

ተነሓናሒኡ ቱንዱ ሊሱ ብሮቡዕ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ መረጻ ጣብያታት ዝነበሩ ወከልቱ ንከይኣትው ተኸልኪሎም እዮም ኢሉ እዩ።

ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ግን ነቶም ዝቐርቡ ጥርዓናት ኣይቕበሎምን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ፕሬዝደንት ማጉፉሊ 84 ሚኢታዊት ድምጺ፤ ሊሱ ድማ 13 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ ኢሉ።

ሕጹይ ሰልፊ ቻዴማ ቱንዱ ሊሱ፡ ብሓሙስ ንውጽኢት እቲ መረጻ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ መረጻ፡ "ብመሰረት ሕግታት ታንዛኒያ ይኹን ዓለም ለኸ ሕጊ ዝተኻየደ ኣይኮነን። ገሊኦም ሃብቲ መንግስቲ ብዘይኣግባብ ተጠቒሞም ኣብ ስልጣን ንክጸንሑ ዝገበሩዎ መስርሕ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዳሬሰላም ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ'ውን "ዘይሕጋውነትን ዝለዓለ ናይ ድምጺ ኣፈላላይ ምህላውን፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ተኣማንነት ንከይህልዎ ጥርጣረ ዝፈጥሩ'ዮም። መንግስቲ ታንዛኒያ ንደሞክራሲያዊ ክብርታት ዘለዎ ተወፋይነት እውን የተሓሳስበኒ'ዩ" ኢሉ።

ሓላፊ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ሴሚስሮክልስ ካይጃጌ ብወገኑ፡ እቶም ዝቐርቡ ክስታት ጭቡጥ መረዳእታ ኣይቐረበሎምን ምባሉ ተገሊጹ።

ኣብ መረጻ ታንዛኒያ ዝተሳተፉ ብኽፋል ዓርሰ ምሕደራ ዝኣወጀት ደሴት ዛንዚባር'ውን ነበርታ ናይ ባዕሎም ፕሬዝደንት መሪጾም ኣለው።

ሕጹይ ሲሲኤም ሑሴን ምዊኒ ድማ 76 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።

ተነሓናሒኡ ሕጹይ ኤሲቲ ዋዛሌንዶ ማሊም ሴይፍ ሸሪፍ ብወገኑ 19 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ።

ብሓሙስ፡ ንሱ'ውን እቲ መረጻ ተታሊሉ'ዩ ብምባል ህዝባዊ ተቓውሞ ጸዊዑ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ብዋሕስ ተፈቲሑ።