ኣብ ታንዛኒያ ሃገራዊ መረጻ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ሃገራዊ መረጻ ታንዛኒያ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ድምጾም ምሃብ ጀሚሮም።

እንተኾነ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቛሪጹን ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ተቐይዶምን'ዮም ዘለው።

እቶም ኣብዚ መረጻ ድምጺ ንምሃብ ዝተመዝገቡ 29.1 ሚሊዮን ታንዛኒያውያን ክሳብ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 10፡00 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ድምጾም ክህቡ እዮም።

ውጽኢት እቲ መረጻ ድማ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ክግለጽ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፕሬዝደንታዊ መረጻ፡ 15 ሕጹያት ንፕሬዝደንትነት ይወዳደሩ ኣለው። እንተኾነ ፕሬዝደንት ጆን ማጉፉሊ ክዕወት ከም ዝኽእል ይግመት።

ፕሬዝደንት ማጉፉሊ ዝመርሖ ሰልፊ ቻማ ቻ ማፔንዱዚ ታንንዛኒያ ብ1961 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንነጀው ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ሰልፊ እዩ።

ፕሬዝደንት ማጉፉሊ ንኻልኣይ ግዜ'ዩ ዝወዳደር ዘሎ። ቀንዲ ተነሓናሒኡ ድማ ቱንዱ ሊሱ ይብሃል።

ቱንዱ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ፈተነ ቕትለት ዘምለጠ ሰብ እዩ። ኣብቲ እዋን ብጥይት ተሃሪሙ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ቤልጅም ሕክምና ክግበረሉ ጸኒሑ።

ትማሊ፡ ትዊተር ኣብ ታንዛኒያ ዝህቦ ኣገልግሎት ንክቋረጽ ፈተነ ይግበር ኣሎ ምባሉ ይፍለጥ። ብተወሳኺ መንግስቲ ታንዛኒያ "መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ኣለዎ" ኢሉ።

ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ዋትስኣፕ'ውን ካብቲ መተግበሪ ስእልን ካልኦት ተንቀሳቐስቲ ምስሊታትን ከውርዱ ከም ዘይኽኣሉ ይዛረቡ።

ትማሊ ድማ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዛንዚባር መራሒዙ ከም ዝተኣሰረ ይገልጽ ነይሩ። ማሊም ሰይፍ ትማሊ ብፖሊስ ከም ዝተወሰደ ሰልፊ 'ኣክት ዋዛሌንዶ' ኣፍሊጡ።

ኣብ ታንዛኒያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝኾነ ዶናልድ ራይት ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ኣብ ዛንዚባርን መላእ ታንዛኒያን ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ፣ ቕትለትን ዓመጽን ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ እዩ።

ዛንዚባር፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ታንዛኒያ ናይ ዝርከቡ እኩብ ደሴታት ኮይና ብኸፊል ዓርሳ ዝኸኣለት እያ።

ነበርቲ ዛንዚባር ድማ መራሒኦም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ኮይኑ፡ ኣብቲ ሃገራዊ መረጻ'ውን ይሳተፉ እዮም።