ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ብኸመይ'ዩ 'ብኦንላይን' ዝሕደስን ዝወጽእን?

ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነትን ዜግነት ኢምግሬሽንን፡ ተጠቀምቲ ብመርበብ ሓበሬታ ሓድሽ ፓስፖርት ንከውጽኡን ንከሐድሱ ቖጸሮ ክትሕዙን ዘኽእል ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ኣላልዩ።
https://www.ethiopianpassportservices.gov.et/#/Information ኣብ ዝብል ድረ ገጽ እቲ ኤጀንሲ ሓድሽ ፓስፖርት ንምውጻእ፣ ንምሕዳስ፣ ዝጠፍአ ወይ ዝተሰረቐ ፓስፖርት ንምትካእን ኣብቲ ፓስፖርት ዝተመዝገበ መረዳእታ ንምቕያርን ዝደለየ ዝጥቀመሉ እዩ።
ቑጽሪ ተገልገልቲ እናወሰኸ ክኸይድ ስለ ዝኽእል ተጠቀምቲ ቅድም ኢሎም ቆጸሮ ክሕዙ ትጽቢት ይግበር። ንኣብነት፡ ሎሚ መዓልቲ ንጽባሕ ቖጸሮ ዘይትረኽበሉ ኣጋጣሚ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ሓድሽ ፓስፖርት ንምውጻእ ዘድልዩ ሰነዳት ድማ ኣቐዲሞም ክዳለው ይግባእ። ዝተሓደሰ መለለዪ መንነትን ናይ ልደት ሰርተፊኬትን ኣድላዪ'ዩ።
እዚኦም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ስለ ዝጽዓኑ 'ስካን' ክግበሩ ይግባእ።
ድሕሪ እዚ ናብቲ ድረ ገጽ ኪዱ። ኣብኡ ዝጸንሐኩም ቅጥዒ'ውን ብጥንቃቐ ምልኡ።
ዝተሓደሰ መለለዪ መንነትን ናይ ልደት ሰርተፊኬትን ኣብ ዝሓትት ቦታ ድማ እቲ 'ስካን' ዝገበርኩምዎ መረዳእታ ጽዓኑዎ።
ክልተ ናይ ኽፍሊት ኣማራጺ ክቐርበልኩም'ዩ፤ ነቲ ሓደ ምረጹ።
እቲ መመልከቲ ምስ ኣእተኹም ናብ ቴሌፎንኩም ብዝልኣኽ ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ወይ'ውን ናብ ኢሜይል ዝመጽእ 'ኮድ' ተጠቒምኩን እቲ ክፍሊት ትፍጽሙ።
ሓድሽ በዓል 32 ገጽ ፓስፖርት 600 ብር እዩ ዝኽፈሎ፤ በዓል 64 ገጽ ድማ 2168 ብር ክትኸፍሉ ትሕተቱ።
ናይ ቖጸሮኹም መዓልትን ሰዓትን ዝሕብር ናይ መወዳእታ ገጽ ድማ ብወረቐት ኣብ ኢድኩም ምሓዝ ከይትዝንግዑ።
ኣብታ ናይ ቖጸራ መዓልቲ፡ እታ ወረቐት፣ ካልኦት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራትን ቅዳሕ ሰነዳትኩምን ሒዝኹም ብኣካል ትቐርቡ።
ፓስፖርት ንምውጻእን ንምሕዳስን ተመሳሳሊ ቅደም ስዓብ እዩ ዘሎ።
ብተወሳኺ ፓስፖርትኹም ንምሕዳስ፡ ናይቲ ኣገልግሎቱ ዘብቅዐ ፓስፖርት "ኢንፎርሜሽን ፔጅ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ ቅዳሕ ክትሕዙ ኣለኩም።
እዚ "ኢንፎርሜሽን ፔጅ" ዝብሃል ስእልኹም ዝተሓተመሉ ገጽ ማለት እዩ።
ፓስፖርትኹም ተሰሪቑ እንተኾይኑ ግን ናይ ፖሊስ መረዳእታ ከተቕርቡ ክትግደዱ ኢኹም።
ዝተሓደሰ መለለዪ መንነትን ናይቲ ፓስፖርት ቅዳሕን እንተሃሊይኩም'ውን ድልዊ ክኸውን ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ፓስፖርትኹም ዝርከብ ሽም፣ ዝተወለድኩምሉ ዕለት፣ ቦታን ካልእ መረዳእታን ክትልውጡ እንተደሊኹም፡ ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ሒዝኩም ክትቐርቡ ይግባእ።
ነዚ'ውን ሓድሽ ፓስፖርት ንምውጻእ እትኽተሉዎ ተመሳሳሊ መስርሕ ኢኹም ትኽተሉ።
ህጹጽ ኣገልግሎት ንምርካብ እንተደሊኹም ድማ፡ ነዞም ዝስዕቡ ክተማልኡ ይግባእ።
ካብ ሃገር ወጻኢ ክትሕከሙ ምዃንኩም ዘረድእ ናይ ሓኪም ደብዳበ (ናይ ሕክምና ቖጸሮ ክኸውን ይክእል'ዩ)፣ ካብ ዝተፈቐደሎም ትካላት ዝወሃብ ናይ ሓገዝ ደብዳበ፣ መንበሪ ፍቓድ ናይ ወጻኢ ሃገር፣ ናይ ዕድመ ወረቐት፣ ህጹጽ ናይ ስራሕ ጉዕዞ፣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ወይ ዕጫ ዲቪ ዝረኸብኩም ምዃንኩም ዘረጋግጽ መረዳእታ፣ ብሓዘን ወይ ብሓጎስ ዝግበር ጉዕዞ ዘረጋግጹ ሰነዳት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።
ህጹጽ ኣገልግሎት ተወሳኺ ክፍሊት ይሓትት እዩ። ነዚ'ውን ድልዊ ክትኾኑ ይግባእ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ግልጋሎት ንምርካብ ብኣካል ክትቐርቡ ኣለኩም።
እዚ፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ ዝተረኸበ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







