ን29 ዓመታት ተቐይዱ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ መን'ዩ?

ገዲም ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ

ምንጪ ስእሊ, MIRIAM BITEWEDED

መግለጺ ስእሊ, ገዲም ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ

ክቡራት ኣንበብቲ እዛ ዓንቀጽ "ን29 ዓመታት ተቐይዱ ዘሎ ሜጀር ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ መን'ዩ?" ብዝብል ኣርእስቲ እያ ወጺኣ ነይራ። ቢትወደድ ዳሕራይ ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐ 'እቲ ዝተጠቕሰ መዓርግ ተዋሂቡዎ ነይሩ እዩ? ኣይፋል ብወግዒ ዝተቐበሎ ኣይነበረን' ዝብል ኣካታዒ ዘረባ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ዳሕራይ ብዝረኸቦ መአረምታ ገዲም ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ብወግዒ ዝተዋህቦ መዓርግ ከምዘይነበረ፡ ካብ ቀረባ ፈለጥቱን ቤተሰቡን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ 29 ዓመታት ዘሕለፈ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስእሉ ኣሰንዮም 'ቢትወደድ ኣብርሃ ጅግና' ብምባል ንክፍታሕ ክሓቱሉ ዝቐነዩ ተጋዳላይ መን እዩ?

ቢትወደድ ኣብርሃ ግን መን እዩ?

ቢትወደድ ኣብርሃ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን፡ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ቅድስቲ ተወልደመድህንን ብ1953 ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ።

ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ተማሂሩ።

ካብ 6ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ፡ ኣብ መንደፈራ ሴንትጆርጅ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀጺሉ።

ካብ መጀመርታ 1970ታት ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኸኣ ኣብ ጥሪ 1973 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።

ታዕሊም ምስ ወድአ፡ ኣብ ሳሕል ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ይጋደል ኔሩ።

ኣብ መወዳእታ 1974 ካብ ሳሕል ንኸበሳ ደይቡ ኣብ ሰራዊት ተመዲቡ ይሰርሕ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ 1977 ኸኣ ናይ ሓንቲ ሓይሊ ናይ ፖለቲካ ኮሚሽነር ኮይኑ ሰሪሑ።

ኣብኡ እንዳሰርሐ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምስታፉ፡ ቅያር ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኰይኑ ብጉባኤ ተመሪጹ።

ካብኡ ንደሓር ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ሓላፊ ጨንፈር መጓዓዝያ ኮይኑ ተመዲቡ፡ ክሳብ መወዳእታ 1979 ይሰርሕ ከም ዝነበረ ብዛዕብኡ ዝተጸሓፈ ጽሑፋት ይጠቅስ።

ኣብ መወዳእታ 1979 ጀሚሩ ድማ ናብ ጨንፈር ትምህርቲ ተመዲቡ ምኽትል ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ቢትወደድ ካብ ጨንፈር ትምህርቲ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተቐይሩ ከም ሓላፊ ክፍለ ሰራዊት፡ ካብኡ ድማ ከም ሓላፊ ክፍሊ ቁጠባ ጨንፈር ዕጥቅን ስንቅን ኮይኑ ተመዲቡ።

ብ1990 ካብ ክፍሊ ቁጠባ፡ ናብ ሰራዊት ከምእንደገና ተቐይሩ፡ ክሳብ ዕለት ናጽነት ኣዛዚ ኮማንዶን ክፍለ ሰራዊትን ብምዃን ምስ ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኮይኑ፡ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ንምሓዝ ዝተኻየደ ሰፊሕ ናይ ምድረበዳ ውግእ ዝመርሐ ተጋዳላይ እዩ።

ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ምኽትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ክፍለ ሰራዊትን ኮይኑ የገልግል ኔሩ።

እንተኾነ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1991 ኣብ ትሕሪ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ 1997፡ ድሕሪ 7 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ፡ እንተኾነ ድሕሪ ክልተ ወርሒ እንደገና ተኣሲሩ ክሳብ ሕጂ ድማ ን29 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

እታ ንዓመታት ዝተቓለሰላ ነጻ ኤርትራ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ነጻ ኮይኑ ኣስተማቒሩዋ፡ ድሕሪ ናድነት ዝነበራ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕን፡ ን74 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ምስ ተፈተሐ ካልኣይ ግዜ ቅድሚ ምእሳሩ ዝነበራ ክልተ ኣዋርሕን።

ምኽንያት መእሰሪ ቢትወድድ ኣብርሃ እንታይ እዩ?

ካብ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምኽንያት ማእሰርቲ ቢትወደድ ኣብርሃ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ንሱ ባዕሉ ግን ድሕሪ ሸውዓት ዓመት ብ1997 ምስተፈትሐ ንዓበይቱ ዓዲ ትውልዲ ዓዱ፡ ዓዲ ሞንገቲ ኣኪቡ፡ ንጉዳይ መኽሰሲኡ ብዝምልከት "ኣነ ንሃገር ኣሕሊፈ ኣይህብን'የ፡ ቢትወደደ ካልእ'ዩ ኢሉ ዝብል እንተሎ ኣብ ቅድመይ ክብል ይኽእል እዩ፡ ብጀካ ሃገር ኣሕሊፈ ኣይህበን'የ ምባለይ ንዓይ ዘሕትተኒ ነገር የብለይን" ክብል ተዛሪቡ።

ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ንጉዳይ ቢትወደድ ኣብርሃ ብደቂቕ እናተኸታተለት ብዛዕብኡ ብዙሕ ጽሒፋን ዓለም በዛዕባ ማእሰርቲ ቢትወድድ ኣብርሃ ንኽትፈልጥ ጽዒራን እያ።

ኤልሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ንቢትወድድ ኣብርሃ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ወግዓዊ ክሲ ከም ዘይተመሰረቶ ገሊጻ።

"ቢትወደድ ምስ ተኣሰረ፡ ነቲ ፈጺምዎ ዝበሃል ገበን ሓቅነቱ እተረጋግጽ ኮሚተ ቆይማ፡ እቶም ኮሚተ ድማ ዋላ ሓንቲ ዘሕትቶ ገበን ከምዘይፈጸመ'ዮ ገሊጾም። ንሱ ግን ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ብንግህኡ ስለ ዘላለዮን፡ ስልጣን ስለዘየዐሸዎን እዩ ተኣሲሩ" ትብል።

ሕጂ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብ፡ ደራሲ መጽሓፍ 'እታ ሕብእቲ ሰልፊ' ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ፡ ምስታ ሽዱሽተ ዝኣባላታ ንጉዳይ ቢትወድድ ከተጻሪ ዝቖመት ኣጻራይት ኮሚተ ከምዝነበረ ሓደ እዋን ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ቀሪቡ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኮሎኔል ጸጉ፡ ኣብ መወዳእታ 1991፡ ኣባል ፖለቲከዊ ቤት ጽሕፈትን ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ነበር፡ ዳሕራይ ግን ካብ መስከረም 2001 ምስቶም ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅሉዕ ደብዳበ ዝጸሓፉ፡ ን19 ዓመታት ተኣሲሩ ዘሎ ካብቶም ብጉጀለ-15 ዝፍለጡ ምኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ንስምኦን ገብረድንግል ከም ኣቦ መንበር፡ ኣብርሃም ኢሳቕ፡ ኣማንኤል ተስፋሁነይ፡ ጋይም ተስፋሚካኤል፡ ኣማንኤል ልጃም ከምኡ'ውን ንዕኡ (ንጸጉ ፍስሃየ) ጸዊዑ ንኩነታት ቢትወደድን ነቲ ኣብ ዓሰብ ይግበር ኣሎ ዝበሃል ዝነበረ ብልሽውና ከጻርዩ መምርሒ ከምዝተወሃቦም ይገልጽ።

ኮሮኔል ጸጉ ፍስሃየ፡ እቲ ክሲ ኣብ ወደብ ዓሰብ ብዘይ ኣገባብ መስተ ይሽየጥን ይብተንን ኣሎ፡ ሓላፊ ወደብ ዓሰብ ከኣ ቢትወድድ ኣብርሃ ስለዝነበረ ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ ከምዝተገልጸሎም ይሕብር።

እንተኾነ ይብል ኮሎኔል ጸጉ ናብ ዓሰብ ከይዶም ኣብ ዝገበርዎ ምጽራይ ኩሉ መሸጣን ዕድግን ብግቡእ ቅብሊት ይካየድ ከምዝነበረን ቢትወድድ ዝኾነ ዘኽስሶ ነገር ከምዘይረኸቡ ይዛረብ።

ቢቢሲ ትግርኛ ንማእሰርቲ፡ ክሲን ህሉው ኩነታት ቢትወደድ ኣብርሃን ንምፍላጣ ናብ ሰብ መዚ ኤርትራ ዘቕረብናዮ ሕቶ መልሲ ክንረክብ ኣይክኣልናን።

መንግሰቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ ምኽንያት ማእሰርቲ ቢትወደድ ኣብርሃ ዝኾነ ይኹን መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ።

ቢትወደድ እውን ኣብ ዝኾነ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉን ዘለወሉን እዋን እውን ስድራቤቱ ክርእዩዎን ክበጽሑዎን ከምዘይፍቀዶም እዮም ዝዛረቡ።

ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ቢትወደድ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ን29 ዓመታት ዝተኣሰረ ናይ ሕልና እሱር እዩ ክትብል ትገልጾ።

ቢትወደድ ኣበርሃ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንከሎ ኣብኡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ኣብ 1993 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ኣዲኡ ወ/ሮ ቅድስቲ ተወልደመድህን'ውን ብድሕሪኦም ስዒበን።

ቢትወደድ ድሕሪ ናይ 74 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ኣብ 1997 ተፈቲሑ፡ መቓብር ኣቡኡ ክርኢ ንዓዲ ምስከደ፡ እንቋዕ ኣዋጽኦ ፈጠረልካ ክብልዎን ብሞት ወላዲኡ ጽንዓት ይሃብካ ክብልዎ ንዝተኣከቡ ደቂ ዓዱ - ዓዲ ሞንገቲ ዘስምዖ መደረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑስ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ሰብ ይዛረበሉ እዩ።

ቢትወድድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ "ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ን "ውግእ ሓድሕድን ሳዕቤኑን" ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ጽሒፉ ምንባሩ ኣብ 1997 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺእለን ዝነበረ ክልተ ኣዋርሕ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሰባት ይሕብሩ።

ቢትወደድ ኣብ 1985 ኣብ ሜዳ ተመርዕዩ፡ ብ 1987 ድማ እታ ሓንቲ ጓሉ ስነ ጥበባዊት ሚርያም ቢትወደድ ተወሊዳ። ኣብዚ እዋን በዓልቲ ቤቱ ንቢትወደድ ወይዘሮ ኣልማዝ በርሀ ንጉሰ ኣብ ሽወደን፡ ጓሉ ሚርያም ከኣ ኣብ ኡጓንዳ ይነብራ ኣለዋ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ

ምንጪ ስእሊ, MIRIAM BITEWEDED

መግለጺ ስእሊ, ገዲም ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ

ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብታ 'ቪድዮ' እንታይ እዩ ዝብል?

ቢትወደድ ድሕሪ ናይ 74 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ኣብ 1997 ተፈቲሑ፡ መቓብር ኣቡኡ ክርኢ ንዓዲ ምስከደ፡ እንቋዕ ኣዋጽኦ ፈጠረልካ ክብልዎን ብሞት ወላዲኡ ጽንዓት ይሃብካ ክብልዎ ንዝተኣከቡ ደቂ ዓዱ - ዓዲ ሞንገቲ ዘስምዖ መደረ እዚ ዝስዕብ እዩ።

. . . ለውጢ ከነምጽእ ክንውፈ ኣለና ክንፈርሕ የብልናን ክንተብዕ ኣለና። ንሕግን ንእግዝሄርን እምበር ንሰብ ኣይትፍርሓዮ። ሰብ እንተፈሪሕካዮ ኣብ መፈንጠራ'ዩ ዘእትወካ።

. . .እዚ ናባይ ዝበጽሐ ዋላ እኳ ድሕሪ ናጽነት ምፍጻሙ ብዙሕ ሰብ ዘይተጸበዮ እንተኾነ ቀሊል'ዩ። ናይ ዝሓለፈ ዘይኮንኩ ናይ መጻኢ'የ ዝርኢ።

ህዝባዊ ቃልሲ ስለዝኾነ እዚ ዕሽር ካብቲ ነዊሕ መንገዲ ጉዕዞና ንሓርነት ወዲ ሰብ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ንናጽንትን ሃገር ኢና ተቓሊስና። ሕጂ ድማ ንሓርነት ወዲ ሰብ እንብሎ ቃልሲ ኣሎ። ብሕጊ'ምብር ሰብ ከይገዝኣና ሓራ ክንወጽእ ዝግበር ቃልሲ ከኣ እዩ።

. . .ከምቲ ቀደም ሕጊ እንዳ'ባ ዝብሃል ዝነበረ፡ ዳኛ ዓዲ ብዘይ ብረት'ዩ ዝዳኒ ነይሩ። ካርሸሊ ኣይነበሮ ፖሊስ ኣይነበሮ። ኩሉ ሰብ ግን ነቲ ሕጊ ኣኽቢሩ ይእዘዝ ነይሩ።

ሽፍታ ወይ ዓማጺ እንተኾይኑ ከኣ ንጹግ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብዓል ሕግን ፍትሕን'ዩ - ዓማጺ ኣይፈቱን'ዩ።

ማሕበራዊ ፍትሒ ከነንግስ ምውፋይ ከድልየና'ዩ። ኣነ ኣሽሓት ከፊለ፡ ፈሪሐ፡ እንታይ ገደሰኒ እንተ ኢለ፡ ክሽየም ይኽእል'የ፤ ክረብሕ እኽእል'የ፤ ግን ንሃገር ኣሕሊፈ እየ ዝህብ ዘለኹ።

ኣነ ከኣ ሃገር ኣሕሊፈ ኣይህብን'የ። ቢትወደደ ካልእ'ዩ ኢሉ ዝብል እንተሎ ኣብ ቅድመይ ክብል ይኽእል እዩ። ብጀካ ሃገር ኣሕሊፈ ኣይህበን'የ ምባለይ ንዓይ ዘሕትተኒ ነገር የብለይን።

74 ኣዋርሕ ንበይነይ ኣብ ገዛ ተዓጽየ፡ ስዒረ ከኣ ወጺአ። እቲ ኣነ ዝብሎ ዝነበርኩ ሕጂ ባዕሎም ይብልዎ ኣለዉ። ኣነ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ወደብና ንኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና እየ ኢለ።

. . .ቢትወደድ ሕጊ ጥሑሱ እዚኣ ገይሩ ዝብል እንተሎ ክሳደይ ንሴፍ ኢለ'የ ኣነ።

. . . ሽግር ኣጋጢሙኒ፡ ተወጺዐ ኢለ፡ ዝስምዓኒ ሕማቕ ነገር ከምዘይብለይ ብሓቂ ክምሕል እኽእል። ኣነ ዝመርጾ መንገዲ ዕርቅን ሰላምን እየ ዝመርጽ።

ነቶም ዝበደሉኒ'ውን ኣይቀጽዖምን'የ። ዝሓለፈ ቅርሕንቲ ቂም ጽልኢ ብመንፈስ ሰላም ዕርቂ ሰላም የድልዮ። ንኹሎም ዝበደሉኒ ከኣ ምሕረት ኢለዮም እየ።

. . . ካብ 24/12/1997 እታ ዝወጻእኩላ መዓልቲ ብሓዲሽ መንፈስ እየ ወጺአ ዘለኹ። ዋላ እቲ ክፉእ ዝገበረኒ ፈታዊየይ'ዩ።. . . ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ሞንጎ አሕዋት ደቂ ሓንቲ ሃገር ሓቢርካ ብሰላም ምንባር ምምራጽ'ዩ።

ናይ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ምቅብባል የድሊ። ምትእምማን የድሊ። ምክብባር የድሊ። ምክእኣል የድሊ። ፍልልይ ናይ ኣረኣእያ እንተሃልዩ'ውን ምጽባቡ የድሊ።

. . . ማሕቡስ፡ ዓፈና፡ ምንጻል፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ስለዝኾነ፡ ግጉይ ኣፈታትሓ ግርጭት'ዩ። መፍትሒ'ውን ኣይከውንን'ዩ። እዚ ናተይ መምሃሪ ይኹን።

ንቐጻሊ ከም ታሪኽ ኣብ ሃገርና ከይድገም፡ ተቃዊሙኒ ኢልካ ንሰብ ክትዓጽዎ የብልካን። ኣብ ሓደ [መኣዲ] ከቢብካ ክትፈትሖ ኣለካ።

. . . ብሓዲሽ ስምዒት፡ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ናይ 1998፡ ብሓዲሽ ቅዋም ኤርትራ ናብ ስራሕ ይብገስ ኣለኹ። . . . ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ንሓርነት ወዲ ሰብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ ምዕቃብን ምሕላውን . . . ገና ነዊሕ መንገዲ ኣሎ።

. . . ናጽነት 50 ዓመታት ቃልሲ እዩ ወሲዱ። ንማሕበራዊ ፍትሒ'ውን 50 ዓመታት ዝወስድ እዩ።

. . . በዚ ናይ ዘመንና መምዘኒ፡ ጅግና ፖሎቲከኛ ወይ መራሒ ሃገር ዝብሃል፡ ብስለት ኣእምሮ ዘለዎ፤ ጸላኢ ዝነበረ ናብ ፈታዊ ዝቕይር፤ ፈተውቱ ዘብዝሕ፤ ርሑቕ ዘለዉ ዘቕርብ፤ ኣብ በረኻ ኮይኖም ብረት ዘወጣውጡ ዘለዉ ንዑ ዓዲ እተዉ ምሳይ ተወዳደሩ ዝብል፤ ዝኾረየ እንተልዩ ዝእብድ፤ ንዝተበደለ ዝኽሕስ፤ እንተጋገየ'ውን ጌግኡ ኣሚኑ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ይቕሬታ ዝሓትት፤ ብትዕቢት፡ ንሕና ኢና ናጽነት ኣምጺእና ዝብል ዘይኮነስ፡ ንስኹም ኢኹም ናጽነት ኣምጺእኩሞ ግንሑና ዝብል፤ መራሒ ዝበሃል ክንደይ ቀቲልካ ዘይኮነስ ንኽንደይ ምሒርካ'ዩ ጅግና ዘብለካ።

. . . ኣነ ሓደ እየ። ኣእላፍ ግን ተኣሲሮም ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ዓው ኢሉ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ድዮም ይበ። ኣነ ክብል እየ በሉ።

ኣይትፍርሑ፤ ክእትዉና ድዮም? ንእቶ። ኣነ ካልኣይ ግዜ ተኣሰር እንተኢሎሙኒ ክእሰር እየ። ፍትሒ ክሳብ ዝመጽእ። ኣይደግምዎን ይልብሙ ይኾኑ፤ ትም ግን ኣይንበል።

. . . ኵናት ሓድሕድ ንዮ በልዎ፡ ብረት ኣልዒለ ለውጢ ከምጽእ'የ ዝብል ሓሳዊ'ዩ ኣይትስዓብዎ፡ ተኣሲርካ ለውጢ ኣምጽእ በልዎ።

ካብ ኣንጎላን ሞዛምቢክን ንምሃር። ካብ መግዛእቲ ኣውሮጳ ነጻ ወጺኦም፡ ሽዕኡ ዝኸፈልዎ መስዋእትን ድሕሪኡ ነንሕድሕዶም ክዋግኡ ዝጠፈአ ህይወት ሰብን ዝዓነወ ቁጠባን ዝተዓጻጸፈ'ዩ. . . ቢትወደድ ዓሻ ኣይኮነን ነዚ ኣይመርጾን'ዩ።

ሓደ ሓደ ዘይሓለፋነታውያን ጀነራላት ወይ'ውን ናይ ፖሎቲካ መራሕቲ ኢና ዝብሉ ዝፍጽምዎ ጌጋ ኣሎ። ግጉይ ኣፈታታሓ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ እዩ።

ገና'ውን ውሕስነት ዘለዎ ሰላም ኣየምጽኡን'ዮም። ንሰላም ምዕቃብን ምሕላውን ይቐልል። ሰላም ንምፍጣር ዝሓተና ዋጋ ከቢድ እዩ። ኣዝዩ ጥንቃቐ ድማ ከድልየና እዩ።

. . .ዝሓለፈ 74 ኣዋርሕ ተጠቒመሉ እየ። ግዜይ ብግቡእ ተሓጒሰሉ'የ። መጽሓፍት ጽሒፈ፡ ትምህርተይ ተማሂረ። እቲ ግዜ ተጠቂመሉ'የ። ኣይከሰርኩን . . . ዝያዳ ህዝባዊ ክብሪ'የ ረኺበ" እዩ ኢሉ ቢትወደድ።

እንተኾነ ድሕሪ እዛ ዘረባ ነዊሕ ኣይጸንሐን።

ሻዓ ምስ ተኣስረ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ኣብ ዝኾነ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ እውን ኣይተራእየን።

ንማእሰርቱ ብዝምልከት ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዕኡን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንዝተኣስሩ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ላዕለዎት ሓለፍትን ጋዜጠኛታትን ካልኦት ብዙሓት ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑን ብቐጻሊ ጻውዒት የቕርቡ እዩም።