ኤርትራ፡ 'ሓደገኛ' ወራር ኣንበጣ ይረአ ስለዘሎ ሓረስቶት ቀልጢፎም ምህርቶም ክእክቡ ተሓቲቶም

ሓረስቶት ኤርትራ እቲ "ብኣዝዩ ሓደገኛ መልክዕን ስፍሓትን" ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ጉድኣት ከየውረደሎም እንከሎ ምህርቶም ክእክቡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣትሒዙ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቀይሕ፡ ማይ-ዓይኒን ጸሮናን ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ ኣሎ።

ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ህዝብን ብኪኢላት ሕርሻ ተሰንዮም ነቲ ወራር ንምምካት ይሰርሑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

"ኣብ መጻኢ እውን ተኽእሎ ተኸታታሊ ወራራት ኣንበጣ ዓቢ ምዃኑ ተፈሊጡ ስለዘሎ፣ ከም ወትሩ እዝታት ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳራትን ሕርሻን ድሉውነቶምን ውዳበታቶምን ብምጽፋፍ፣ ንሰራዊት፣ ህዝብን ክኢላታት ሕርሻን ዘጣመረ ውሁድ መኸተ ኣንጻር ወራራት ኣንበጣ ድሉዋት ክዀኑ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብጥብቂ የዘኻኽር።"

እቲ ወራር ኣንበጣ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ምዃኑ'ውን ሚኒስትሪ ሕርሻ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሕርሻ ከቢድ ጉድኣት የውርድ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ፡ በብጊዚኡ ክምከት ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብ9 ጥቅምቲ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ 3000 ሄክታር ብማኑዋል፣ ሞቶራይዝድን መካይንን እተደገፈ ዕዉት ምንጻግ ጸረ-ባልዕ ይካየድ" ከም ዝነበረን፡ ብተሳታፍነት ሰራዊት፡ ህዝብን ኪኢላታት ሕርሻን ኣብ "ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ከም ዝኣተወ" ጠቒሱ ነይሩ።

እቲ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ኣንበጣ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑን፡ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዓቢ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ፋኦ፡ ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።