ዩጋንዳ፡ ስኑዕ ውጽኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝሓዙ ተጓዓዝቲ ኣሲራ

ፖሊስ ዩጋንዳ ስኑዕ ውጽኢት ኮሮናቫይረስ ንዘቕረቡ 25 ተጓዓዝቲ ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ።

እቶም 23 ተጓዓዝቲ: ኣብ ኡጋንዳ: ኢንተቤ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተታሕዙን፡ እቶም ክልተ ድማ ካብ ካሊእ ቦታ መጺኦም ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምስወረዱ እዮም ተታሒዞም።

እቶም ተጓዓዝቲ ብፖሊስ ኣቬሽን ከምዝተታሕዙ ዝገለጸት ወሃቢት ቃል ሲቪል ኣቬሽን ዩጋንዳ ቪያኒ ሎግያ፡ ብምትላልን ስኑዕ መረዳእታ ብምቕራብን ከምዝኽሰሱ ኣፍሊጣ።

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዶባታ ዓጽያ ዝጸንሐት ዩጋንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ 1 ጥቅምቲ እያ ዶባታ ከፊታ።

ዩጋንዳ፡ ኣብዚ እዋን ካብታ ሃገር ንዝወጹ ተጓዓዝቲ ኣብ ውሽጢ 120 ሰዓታት፡ ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ድማ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዝሕብር ሰነድ ከቕርቡ ተገድድ።

እታ ሃገር ዛጊድ ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታታ፡ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝገበረት ኮይና፡ 10,590 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሓቢራ።

ብተወሳኺ: ኣብታ ሃገር ዛጊድ 97 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ትገልጽ።

ኣብ ዩጋንዳ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዘካይዱ ሽሞንተ ትካላት ዘለዉ ኮይኖም፡ ንሓደ ሰብ ክሳብ 126 ዶላር ኣመሪካ ከምዘኽፍሉ ተገሊጹ።