ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ብኽፊል ክጅመር እዩ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ 98 ኣብያተ ትምህርቲ፡ 12 ክፍሊ ካብ 9 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ግእዝ ጀሚሩ ስሩዕ ክፍለ ግዜ ምምሃር ከም ዝጅምራ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ካሕሳይ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም።

ከም ኣገላልጻ እቶም ሓላፊ፡ ተምሃሮ 12 ክፍሊ፡ ኣብ 2012 ዓ/ም ግእዝ ዝተወንዘፈ ትምህርቲ፡ ቅድሚ ሃገራዊ ፈተና ምውሳዶም ንሓደ ወርሕን ፈረቓን ክመሃሩ እዮም።

ኣብ ኮሌጃት መሰልጠኒ መምህራን ዓድዋን ዓብዪ ዓዲን ኣቋሪፆም ዝነበሩ ተመረቕቲ ተምሃሮ ድማ ካብ 11 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ጀሚሮም ትምህርቶም ክከታተሉ እዮም።

ኮይኑ ግና ተምሃሮን መማህራንን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ መንገድታት ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ሳኒታይዘር፣ ኣልኮልን ካልኦትን ብዝግባእ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ተገሊፁ ኣሎ።

ንናውቲ መከላኺሊ ኮሮና ቫይረስ ዘድሊ ወፃኢ ብዝዓበየ ብትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ከምዝሽፈን እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ዝተረፉ ብርኪ ክፍሊታት ድማ ኩነታቱ እናተራእየ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ጥቅምቲ ክጅመር ከምዝግበር ዶ/ር ገ/መስቀል ገሊጾም ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዘውፀኦ ሓበሬታ ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል፡ ኣብ ወረዳታት ገጠርን ቀበሌታትን ዝርከቡ አብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ብ19 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም፡ ኣብ ኩሎም ከተማታት ዞባን ክልልን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ካልኣይ ዙር 16 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ትምህርቲ ክጅምሩ ሓሳብ ከምዘቕረበ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባ ክልል አሮምያን ኣብ ሳልሳይ ዙር 30 ጥቅምቲ 2013 ትምህርቲ ክጅመር ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ።